መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እገዳ ከንብር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንኸብቅዕ ኩሉ ዓይነት ኣማራፂ ከም እትጥቀምን ነቲ ጎንፂ ከቐፅሉ ኣብ ልዕሊ ዝደልዩ ኣካላት ድማ እገዳ ከምዘንብር ብሉምበርግ ፀብፂቡ።

ከምኡ እውን ኣብ መንግስታዊ ግዝኣት ብህዝባዊ መጎዓዝያ ነፈርቲ መሳርሒ ኲናት ምዝውዋር ከምዘይከኣልን ዓለም ለኸ ስምምዕ ሕጊ ሲቪል አቬሽን ዝግህስ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ መበገሲኤን ብምግባር ናብ ኤርትራ ከተማታት ኣስመራን ባፅዕን መሳርሒ ኲናት ከምዘጎዓዓዘ ሲኤንኤን ምቅልዑ ይፍለጥ።

እቲ መንገዲ ኣየር ነቲ ተግባር ከምዝወዓሎ ሰነዳት ፅዕነት፣ መረዳእታ፣ ስእልን መሰኻኽር ዓይንን ጭብጥታት ከምዝረኸበ እውን ኣቃሊዑ እዩ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ትግራይ ንዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላውን ገበናት ኲናትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ብፂሒት ከምዘለዎ ብምጥቃስ ግብራዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ድማ ኣሜሪካ ኣጠንቂቃ።

እቲ መንገዲ ኣየር ንኩባንያ ቦይንግ ሓዊሱ ምስ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ንግዳዊ ትካላት ኣሜሪካ ንግዳዊ ስምምዕ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣመሪካ፡ ነቲ እገዳ እንተደኣ ተግቢራቶ ከቢድ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽል ተዓዘብቲ ይገልፁ።