“ኣብይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ የፍርሳ ኣሎ” ክብል ሓላፊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ነበር ማርክ ሎውኩክ ገሊፁ

ኢትዮጵያ፡ ካብ ውግእ ሕድሕድን ሕሱም ድኽነትን ካብ እትወፅእ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑፀረት እንትትከውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ንገዛእ ርእሳ ተጥፍእ ከምዘላ ማርክ ሎውኩክ ሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እታ ሃገር ንምፍራስ፡ ብመጀመርታ ኣብ ሓደ ጫፍ ቅድም ክብል ሓያል ብዝነበረ ጉጅለ ዝምራሕ ናይ ባዕሎም ግዝኣት ኲናት ከምዝወለዑን ኩሉ ፍልፍላት ሃፍትታቶም ብምቁራፅን ሰራዊት ብምልኣኽን ግብረ-መልሲ ንክህቡ ከምዝደፋፈኡዎም ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ጎረቤት ሓይሊ ዓዲሞም ደቂ ኣንስትዮ ኣድፊሮም፣ ንፁሃት ብግፍዒ ቀቲሎም፣ ምህርቲ ሕርሽኦም፣ ስርሖም፣ ቤት ተምህርቶምን ጥዕና ጣብይኦምን ብምዕናው፡ ተጋሩ ካብ ገፅ ምድሪ ሙሉእ ብሙሉእ ንክጠፍኡ ብናይ ፅልኢ ዘረባታት ተዘሚቱዎም፣ ካብ ሕብረተሰብ ክግለሉ ከምዝተገበረ ኣቃሊዑ።

ኣብታ ሃገር ብታሪኽ ዓሌታዊ ጎንፂ ካብ ዝፍለጥ ከባቢ ሃፍትታት ብልዕዓል ፀረ-ትግራይ ከምዘዋፈሩን እዚ ነቲ ጎንፂ ከምዘጋደዶን ቁጠባዊ ዓቕሚ ትግራይ ንምድኻም ገንዘብ ብምሕታም፣ ካብ ዓቕሚም ንላዕሊ መሳርሒ ኲናት ከምዝዓደጉን፣ ናህሪ ዋጋ ክውስኽ ከምዝኸኣለን ማርክ ሎውኮክ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ቀንዲ ዓለምለኻዊ ሓገዝቱን መወልቱን ከምዝተበኣሰን ህዝቢ ብምልዕዓል ንመራሕቲ እዘን ሃገራትን ትካላትን ከምዘጥቀዑ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ምስ ናይ ቀረባ ጎረባብቶም መሬት ብምጉባጥን ሓበራዊ ሃፍቲ ማይ ብምብሓትን ከምዝተፃልኡ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ኣብይ ይኹን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያ ሃገሮም ከፍርሱ ይደልዩ እዮም ኢሉ ከምዘይሓስብን እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ብተግባር ዘርኣይዎ ግን ነታ ሃገር የፍርስዋ ከምዘለው ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ቀሊል ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተ ምፍታሕ እንዳተኻእለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ወተሃደራት ምልኣኹ ዓብይ ዕሽነት ከምዝነበረን ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዓዲምካ መገዛእ ህዝብኻ ምጭፍጫፍ ድማ ልዕሊ ኩሉ ከቢድ ገበን ከምዝፈፀመን ማርክ ነቒፉ።

ማርክ ሎውኩክ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዋና ሓላፊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ትግራይ ጥምየት ከምዝተኸሰተ ንፈለማ እዋን ዝተዛረበ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምንባሩ ይዝከር።

One thought on ““ኣብይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ የፍርሳ ኣሎ” ክብል ሓላፊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ነበር ማርክ ሎውኩክ ገሊፁ

Comments are closed.