መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ 7 ስራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝፈጸምዎ ጌጋ ብፅሑፍ ዝተሰነየ መረዳእታ ክቐርበሉ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ

ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ንመበል 10ይ ጊዜ ትማሊ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ባይቶ ተረኺቡ መብርሂ ዝሃበ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝምልከት ዝወጽኡ ዘለዉ ዘሰንብዱ መረዳእታታት ይውስኹ ምህላዎም ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ፣ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤትን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ከም ዘድልዮምን ኣብ ትግራይ ጥራሕ ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮምን ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ትካላት ረድኤት ጥረ-ገንዘብ ሒዘን ክኣትዋ ስለ ዘይተፈቐደለን ንሰራሕተኛታተን መሃያ ክኸፍላ ከምዘይክኣላ ዝገለፀ እቲ ዋና ፀሓፊ ከም ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮምን ትካላት ሕክምናን ዝበሉ ኣገልግሎታት ክሳብ ሎሚ ተቛሪጾም ምህላዎም ኣዘኻኺሩ።

በዚ ኩሉ ተደራራቢ ጸቕጥታት ዘይዓገበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝነበሩ 7 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብዘይተጨበጠ ጠቐነ ከባርር ምውሳኑ ኣዝዩ ከምዘሰንብዶ ገሊፁ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጌጋ እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ ስራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብፅሑፍ መረዳእታ ከቕርብ ከምዝሓተቶ ኣብሪሁ።

ትማሊ ዝተሳለጠ ኣኼባ ሑቡራት ሃገራት፡ ተወከልቲ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ንተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሓደ ድምፂ ክቃወሙ እንከለዉ ተወካሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝተለመደ ‘ብዕራይ ወለደ’ መደረ ከምዘቕረበ ዝዝከር እዩ።