ማሕበር ካህናት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ማሕበር ካህናት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ተጋሩ ዓብዩ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብማሕበር ካህናት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዳለወ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያን መራሕቲ ሃይማኖት እታ ሃገርን ዘቕነዐ ሓያል ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ቦታ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ዝተኣኻኸቡ እንትኾኑ እቲ ዓለም ካብ ዘረባን እገዳን ብዝዘለለ ስጉምቲ ዘይትወስደሉ ዘላ ጉዳይ ትግራይ ኣዝዩ ከምዝደንጎየ ዘዘኻኽር ድምፂ እዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ትግራይ ምግቢ የድልያ ኣሎ፣ ትግራዋይ ሰኣን ምግቢ ይሞት ኣሎ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መሳርሒ ኲናት ዘይኮነስ ምግቢ የመላልስ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ብፀሐልና፣ እዚ ተግባር ገበን ምፅናት ዘርኢ ተባሂሉ ይፀዋዕ ዝብሉን ካልኦትን ኣቃሊሖም።

ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ዝብላዕ ዝለሓስ ስኢኑ እሞ ድማ መተሓላለፊ መንገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓፅዩ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ወገናት ሂወቶም እናሰኣኑ ኣብ ዘለዉሉ እዋን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ነዚ ገበን ዋና ተሓታቲ ዝኾነ ኣካል ደጊፎም ጠጠዉ ምባሎም ንኹሉ ትግራዋይ ዘቖጠዐ ኢ-ሃይማኖታዊ ተግባር ምዃኑ እውን ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ኣቦታት ተዛሪቦም።

ምምሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ይባፃሕ፣ ኲናት ደዉ ይበል ብምባል ዝሃቦ ድምፂ ከምዝድግፍዎ ገሊፆም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትየቀጲያ እቲ ተሰኪሞሞ ዘለዉ መንፈሳዊ ሓላፍነት ዘራኽሱ ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ክንዲ እቲ ንኸባቢ ሓደ ዓመት ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዩ ደቂ ኣነስትዮን ኣዴታት ትግራይን ዝዓመፀን ንብረት ህዝብን መንግስትን ዘግዓዘ ገበነኛ መንግስቲ ኤርትራ ምኹናን ንዝተፀገሙ ወገናት ኣብ ልዕሊ ዝበፀሐ መንግስቲ ኣሜሪካ ተቓዉሞ ምልዓል ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ በደል ከምዝፈፀሙ ኣዘኻኺሮም።

ብምዃኑ እዉን ኢሎም እቶም ካህናት ትግራይ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ዝኸድዎ ዘለዉ ግጉይን ሰይጣናዊ መንገድን ኣጥቢቖም ከምዝቃወሙን መንግስቲ ኣሜሪካ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝን ድምፅን ድማ ከምዝድግፉ ገሊፁ።

ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ዓለምን ሑቡራት ሃገራትን እቲ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 300 መዓልታት መፍትሒ ዘይተናደየሉ ቅልዉላዉ ዋላ እኳ ዝደንጎየ ምዃኑ እንተሕዘነና ሐዚ እዉን ብዘይ ወዓል ሕደር ሳዕቤን ናይቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምግንዛብ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስዱ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ተላቡዮም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ከምቲ ልሙድ ሃለዋት ቤተሰቦም ከምዘሻቐሎምን ህፁፅ ኣድሕን ምግቢ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ዓለማት ክሕግዛን እውን ፀዊዖም።


ስእሊ፡ ኣባላት ማሕበረ-ካህናት ትግራይ ዘኦርቶዶክስ ምስረታ ማሕበሮም ኣብ ቲኤምኤች እንትየቕርቡ (ካብ ትግሃት ዝተወሰደ)