ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ፡ ህፃናት ተጋሩን ምስ ተወለድቲ ህፃናት እታ ሃገር ብምዃን ንውህብቶ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብዪ ኣሕመድ ሰልፊ ተቓዉሞ ኣካይዶም።

እቲ ንመራሒ ህውከትን ዕግርግርን ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከምዘይግበኦን ህፃናት ትግራይ ብሰንኩ ይሞቱ ከምዘለውን ብፅሑፍ ባነራት ኣቢሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ሰላም ኖቤል ኣፍደገ ብምኻድ ድምፆም ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ ህፃናት፡ ኖርወይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዳ ተእቱ፣ ጥምየት ጠጠዉ ይበል፣ ንኣብዪ ኣሕመድ ዝተዉሃቦ ሰላም ኖቤል ይመንጠል፣ ዝብሉን ካልኦትን ፅሑፋት ብቋንቋ ኖርወይኛ ኣቢሎም ኣቕሪቦም።

ስለዝኾነ እዉን እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዝኣወጀ መራሒ ዝሃቦ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክምልሶ ተማሕፂኖም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሑሱም ጥምየት ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ወገናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዘስዕቦ ዘሎ ሞት ብህፁፅ ጠጠዉ ክብልን ኣብ ዓዲ ዘሎ ቤተሰቦም ደሃዩ ከምዘይረኸቡ እዉን እቶም ህፃናት ኣብ ዝዘርግሕዎ ባነራት ፅሑፍ ኣቃሊዖም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ህፃናት እዉን ነቶም ኣብ ትግራይ ብሰኣን ቀረብ ምግቢን ስነ መኣዛን ዝቕዘፉ ዘለዉ ህፃናት ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሎም ክብሉ ብስነ ግጥምን ዝተፈላለዩ ጭርሖታትን ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብ ትግራይ በቢመዓልቱ ብሰኣን ቀረብ መድሓኒትን ምግብን ዝሞቱ ዘለዉ ህፃናት ቁፅሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይዉስኽ ከምዘሎን ነዚ ድማ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝርከቡ ተጋሩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ቃል ዝዘለለ ተግባራዊ ስጉምቲ ክዉሰድ መዓልታዊ ድምፆም የስምዑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።