ኣብ ርዋንዳን ናይጀርያን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ኣብ ትግራይ’ውን ከምዝተደገመ ምሁራን ገሊፆም።

ምፅናት ዓሌት ንሓደ ማሕበረሰብ ወይ ዓሌት ንክተጥፍኦ ብምህቃን ዝግበር ጨፍጫፍ እዩ። ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጨፍጫፍን በደልን ቅድሚ ሐዚ ኣብ ብዙሓት ህዝብታት ተፈፂሙ እዩ።

ኣብ ርዋንዳ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ፣ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኢግቦ፣ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን እውን ህይወት ሚልዪናት ዝበልዑ ምፅናት ዓሌት ተኻይዶም እዮም።

ዓለም ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ርዋንዳ ዝተኻየደ ጨፍጫፍ ዓሌት “ድሕሪ ሐዚ ብፍፁም” ኢላ እንተነበረት እኳ ኣብዚ ዘመን እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ምፅናት ዓሌት እናፈፀመ ይርከብ።

ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ መደብ ዳይሬክት ቶክ ፃንሒት ዝገበረ ተመራማሪ መፅናዕትታት ፖሊሲ ዶክተር ሙዑዝ ጊደይ (phd) ምፅናት ዓሌት እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ብቐዳምነት በቶም ሓሙሽተ መግለፅታት ኣቢልና ክንሪኦ ከም እንኽእል ይገልፅ።

ብመሰረት እዚ ምቕታል፣ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ማህሰይቲ ምስዓብ፣ ኣብ ወሊድን ዘርኢ ምትካእን(Reproductive health) ኮነ ኢልካ ጉድኣት ምብፃሕ፣ ስድራ ብፍላይ ድማ ህፃውንትን ወለዶምን ክፈላሊ ዝኽእል ተግባር ምፍፃም፣ ከምኡ እውን ህላወ እቲ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ምፍጣር ከምዘድሊ ይገልፅ።

ብመዳይ እዚ እንተሪእናዪ ኣብ ትግራይ እዞም ዝተጠቐሱ ኩሎም ተፈፂሞም እዪም ዝበለ ዶክተር ሙዑዝ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን፤ ገበን ምፅናት ዓሌት ምዃኑ ዘረጋግፁ ካልኣይን ሳልሳይን መብርህታት እውን የቐምጥ።

ዶክተር ሙዕዝ ከምዝገለፆ ንሓደ ተግባር ምፅናት ዓሌት ከብልዎ ዝኽእሉ ተግባራት ኣብ ትግራይ ተፈፂሞምን እናተፈፀሙ ይርከቡን።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ተግራይ ምስ ኣተው፡ ንብረት ውልቀሰብን መንግስትን ዘሚቶም፣ ደቂ ኣንስትዪ ብጉጅለ ዓሚፆምን ኣሳቕዮምን፣ ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ኮነ ኢሎም መሰረተ ልምዓታት ኣዕንዪም፣ ብጅምላ እናቐተሉ ሬሳ ከይለዓል ከልኪሎምን ናብ ገደላት ኣፅዲፎምን፣ ኣዴታት ኣብ ሕክምና ከይወልዳ ከልኪሎም ከምኡ ድማ መንገዲ ብምዕፃው ህዝቢ ብሰብ ስራሕ ጥምዬት ክሳቐ ከምዝገበሩ ገሊፁ።

ሰራዊት ትግራይ ዝበዝሓ ከተማታት ትግራይ ሓራ ኣውፂኡ ነቲ ቃልሲ ናብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዘሰጋገረሉ ብርኪ ምስ በፅሐ ድማ ነቲ ብወታደራዊ ዓቕሚ ክስዕርዎ ዘይኸኣሉ ሰራዊት ሕነ ንምፍዳይ ብዝመስል መልክዑ ገፆም ናብ ንፁሃትን ዘይዕጡቓትን ተጋሩ ገይሮም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓለም ዝረኣዪ ጨፍጫፍ ይፍፅሙ ኣለው።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ መኽዘን ሰሊጥ ዝነበሩ መዳጎኒ ቦታታት ብምድላው ካብ ኣማሓዳሪ እዚ ከባቢ ሽም ዝርዝር እናወሰዱ ተጋሩ ይሃድኑ፣ ይኣስሩን ረሺኖም ናብ ሩባ ይድርብዩን ኣለው።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ዝተፈላለያ ምፅናት ዓሌት ዝተፈፀመን ሃገራት ዝሰርሑ ገበርቲ ሰናይ ኣብ ናይ ዓመታት ልምዶም ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ዓይነት ጭካነ ኣጋጢምዎም ከምዘይፈልጥ ይገልፁ።

ዶክተር ሙዑዝ እቲ ካልኣይ መግለፂ ምፅናት ዓሌት ፡ መሰረታዊ ባህሪ እቲ ኲናት ምዃኑ ይገልፅ። እቲ ኲናት ዓለም ለኸ ሕጊ ኲናት ዘይኽተል፣ ስብእና ዘይብሉ፣ ህዝቢ ዘለዓዕለሉ መንገዲ ብመሰረቱ ልክዕ ዘይኮነ እንትኾን እቲ ሳልሳይ ድማ በቶም ክሳብ ሐዚ ዝበፅሑ ጉድኣታት ኣቢልና እንሪኦ እዩ። መርሸንቲ፣ ጅምላዊ ቅትለታት፣ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ዝተቐተሉ ውልቀ ሰባትን መራሕትን፣ ሰብ ስራሕ ጥምዬት፣ ምዕናው መሰረተ ልምዓት፣ ማእሰርትን ካልኦትን ኮነ ኢልካ ሓደ ህዝቢ ንምጥፋእ ዓሊሞም ዝተሰርሑ ምዃኖም ይገልፅ።

ዶክተር ሙዑዝ “ካብዚኦም ተበጊስና ኣብ ትግራይ ምፅናት ዓሌት (ጄኖሳይድ) እዩ ተፈፂሙ ክንብል ንኽእል።” ብምባል ድማ የቕምጥ።

ዝተፈላለያ ሚድያታት ዓለምን ዓለም ለኻዊ ትኻላትን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብምፅናት ዓሌት (ጄኖሳይድ) ዝግለፅ እዩ ክብላ ይገልፃ።