ቀዳማይ ሚኒሰትር ኢትዮጵያ፡ “ምስ መንግስቲ ግብፂ ንምዝታይ ቅሩብ’የ” ኢሉ ንፕረዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ዝኣተዎ መጽብዓ ከምዝጠለመ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝተራኸበ ፕረዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ምስ ፕረዚዳንት ግብፂ ንጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንኸዛትዮ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ኪር ሓቢሩ።

እንተኾነ ፕረዚዳንት ሳልቫኪር፡ ብመሰረት ዝሓዞ ቆፆራ ንኣብይ ኣሕመድ ዋላ እኳ እንተሓተቶ ንኲናት ትግራይ ከም ምኽንያት ብምቕራብ ከምዝጠለሞ ኣረዲኡ።

ፕረዚዳንት ሳልቫኪር ነዚ ዝበለ፡ ናብ ግብጺ ካይሮ ምብጻሕ ኣካይዱ ምስ ናይ ግብፂ መዘንኡ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ምስ ሃገራት ግብፅን ሱዳንን ሰለማዊ ልዝብ ንኸካይድ ቃል ኣትዩ ከምዝነበረን ነዚ ከምዝጠለመን ፕረዚዳንት ሳልቫኪር ሓቢሩ።

ፕረዚዳንት ሳልቫኪር ኣብ ግብፂ ምስ መዘናኡ ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ጎንፅን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ኣሕራም ኦንላይን ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ፕረዚዳንት ግብፂ ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዘለው ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩን ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዘለዋ ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣመልኪቶም ከምዝተላዘቡ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ቅድም ክብል እውን ዓይኑ ብጨው ሓፂቡ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን” ብምባል ንዋና ፀሓፊ ሑቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ንብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ከምዘታለለን ከምዝሓሰወን ዝፍለጥ ኮይኑ ብዙሕ ከይፀንሐ ከምዝተቓለዐን ይዝከር።