ኢትዮጲያ፡ ብኣጠቓቕማ ጽፉፍ ድጅታላዊ ህይወት ካብ 110 ሃገራት ብድሕሪት ቀዳመይቲ ተሰሪዓ።

ኣብ 2021 ዓ/ም/ፈ ናይ ቡዙሓት ሃገራት ኣጠቓቕማ ጽፉፍ ድጅታላዊ ህይወት “digital quality of life” ብዝተገበረ መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ካብ 110 ሃገራት መበል 110 ደረጃ ከምዝተሰርዐት ተገሊፁ።

እቲ ናይ መወዳእታ መስርዕ ክትቅመጥ ዝገበራ ዋና መለክዕታት ዋጋ ኢንተርኔት፣ ፅርየት ኢንተርኔት፣ ድጅታላዊ መሰረተ ልምዓት፣ ናይ ድሕነት ድጅታላዊ መሳርሕታት፣ ድጅታላዊ መሳርሕታት መንግስቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኢትዮጲያ ኣብ ኣጠቓቕማ ጽፉፍ ድጅታላዊ ህይወት 2021 ዓ/ም/ፈ ናብ ዜሮ ከም ዝወረደትን ነዚ ስዒቡ ድማ እታ ሃገር ናብ ከቢድ ቅልዉላዉ ቁጠባ ንኽትኣቱ ከምዝገበራ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብቶም ንኢትዮጲያ ድሕሪት ዘሰለፋ መለክዕታት ሓደ “electronics government” ናይ መንግስቲ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኮይኑ መንግስቲ ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሕን ንመንግስታዊ ኣገልግሎት ብኽንደይ ዝኣክል ከምዘዉዐሎ ዘመላኽት መልከዒ እንተኾን መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይታ ዓዲ ዲጂታላዊ ብርኪ ናብራ ንዉልቀ ስልጣንን ኲናትን ብምዉዓሉ ናብዚ ብርኪ ከምዝወረደ ተዓዘብቲ የረድኡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ኲናት ምዉልዑ እታ ሃገር ናብ ከቢድ ቁጠባ ቅልውላው ከምዘእተዋን ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዕግርግርን ህዉከትን ኣትዮም ንስደትን ሞትን ይኾኑ ከምዘለው ይግለፅ።