ኣብ ኢትዮጲያ ሓላፊት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ስነ ምግባር ናይቲ ትካል ጥሒሳ ዘይእርኑብ ቃለ መሕትት ስለዝሃበት ካብ ስራሓ ከምዝተኣገደት ተሓቢሩ።

ሓላፊት ትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጲያ ማዉሪንግ ኣቺንግ ካብ ትካል ኣፍልጦ ወፃኢ ምስ ሓደ ላዕለዋይ ሰበ ስልጣን እቲ ማሕበር ብዝገበረቶ ቃለ መሕተት ክሳብ ዝፃረ ካብ ስራሓ ጠጠዉ ንኽተብል ከምዝተኣገደት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣቃሊዑ።

እታ ሓላፊት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መስርሕ ትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ወፃኢ ዝኾነ ቃለ መሕትት ከምዝሃበትን ካብኣቶም እዉን “እቲ ትካል ንህወሓት ይዉግን እዩ” ዝብል ከምዝርከብዎን ነዚ ስዒቡ ድማ ብህፁፅ ተፀዊዓ ካብ ስራሓ ከምዝተኣገደት ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ንትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ካብ ዝምልከት ዛዕባ እቶም ኣብ ሱዑዲ ዘለዉ ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ እዉን ንምንታይ ንዓዶም ዘይምለሱ ንዝብል ሕቶ ተተመሊሶም ናብ ዓዉደ ኲናት ክኣትዉ እዮም ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ሩዋንዳ ይዘዋወሩ ዝብል ምላሽ ምሃባ ክሲ ከምዝተመስረተላ እቲ ፀብፃብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጠቒሱ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ቪቶሪኖ ትማሊ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ኣባላት እቲ ትካል ካብ ሪኢቶታት ማዉሪንግ ኣቺንግ ንኽርሕቑ ዘተሓሳስብ ደብዳቤ ምፅሓፉ ተገሊፁ።

ስለ ዝኾነ እዉን ኣቺንግ ብሽም ዘይግለፅ ከይዲ ምርመራ ክሳብ ዝዛዘም ናይ ምምሕዳር ዕረፍቲ ንኽትወስድ ከምዝተወሰነ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ እቲ ንሳ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት ናይ ትካል ሰደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ደምብታትን ስነምግባርን ዝጠሓሰ ምዃኑ ዳይሬክተር ዞባ ምብራቅ ኣፍሪቃ መሓመድ ኣብዲከር ንAFP ገሊፁ።

ብምዃኑ እቲ ትካል ተወከልቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኢትዮጲያ ንህዉከትን ዕግርግርን ካብ ዘለዓዕሉ ተግባራት ንኽቑጠቡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓላፍነት ክወስድ ይግባእ ክብል እቲ ትካል ኣተሓሳሲቡ።