መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓዱሽ ወፍሪ መጥቃዕቲ ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ጃምላዊ ደብዳብ ከምዘካየደን ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣገዶም ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓዱሽ ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ጃምላዊ ደብዳብ ከምዘካየደን ኣብ ቐረባ ድማ እቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብቲ ሓዱሽ ወፍሪ ዘብጸሖ ጉድኣት ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝርእዮ ተወካሊ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ኣብሪሁ።

ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጸንሒት እዚ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ጣውላ ክፍታሕ ዝግባእ እዩ ዝበለ እንትኸውን መንግስቲ ትግራይ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፋትሕ ቁርብ ከምዝኮነ ኣፍሊጡ።

እንተኮነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንዘተ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ቁሩቡነት ከምዘይብሉን ትግራይ ኲናት እንተካየድ ዘላ ንህልውናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ነቢሩ ዘሎ ዕጽዋን ፈንጺሒካ ንምዋጻእ ምኳኑ ሓቢሩ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንዘተ ሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ተደጋጋሚ መግለፂ ምውፅኡ ዝፍለጥ እዩ።