ፕረዝደንት ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝዝቲ ተገሊፁ

እዚ ፀባሕ ክግበር ተታሒዙ ዘሎ ዘተ ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ነቲ ኲናት ዘስፋሕፍሑን ዘናውሑን ዘለው ሰበ ስልጣን ኢትዮጲያን ካልኦትን ስጉምቲ ክወስድ ኣብ ዝሕነየሉ እዋን ዝግበር ዘሎ ኮይኑ ኬንያ ድማ ኣብዚ ወርሒ ፕረዝደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ኣብ እትመርሐሉ ዘላ እዋን ምዃኑ ኣጃንስ ፕረስ ፀብፂቡ።

ፕሬዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ትማሊ ኣብ ሕብራት ሃገራት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት “እቲ ጸገም ወተሃደራዊ መፍትሒ ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን። ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት ኲናት ደው ኣቢሎም ናብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክመጹኡ” ኣለዎም ኢሉ።

መንግስቲ ኣመርካ ብወገኑ እቲ ብሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ዘሳጠሐን ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸር ሂወት እናበለዐ ዝርኸብ ኲናት ዶው ክብልን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክናደየሉን ብተደጋጋሚ እናጸወዐ ዝጸነሐ እንትኸውን ኣብ መሬት ዘሎ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ግን እቲ ኲናት ክጋደድ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣመርካ ነቲ እናተጋደደ ዝርከብ ኲናት ጠጠው ንምባል ካብ ቃላትን ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታትን ሰጊሩ ናብ ተግባር ክኣቱ ምሽብሻብ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ ቁጣባዊ እገዳታት ሓዊሱ ኣብ ኢዱ ዝርከብ ኩሉ ኣማራጺ ተጠቂሙ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝተዳለወ ንወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ ጠቂሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ክፍታሕን ናብ ዘተ ክእቶ ጻዊዒት ኣብ ዘቕርበሉ ዘሎ ግዜ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሓዱሽ ዝተናበበ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኣመርካ እቲ ኲናት ክናዋሕን ክስፋሕፋሕን ኣብ ልዕሊ ዝገበረ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣውጺኡዎ ብዝነበረ ሕጊ መሰረት ተግባራዊ ምንቅስቃስቃስ ምጅማሩ ኩሎም ኣጄንሲታት ነቲ ዝግበር ማዓቐብ ከፈጽሙ ኣብ ዝክእሉሉ ብርኪ ምህላዎም ኣብ ምርግጋጽ ከምዝርኸብ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ምምሕዳር ጆባይደን ጠቂሱ ኣጃንስ ፕረስ ጸብጺቡ።