32 ተሓከምቲ ሕፅበት ኩላሊት ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ምሟቶም ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ

እቶም ብህይወት ዝተረፉ ተሓከምቲ ብወገኖም ማሕበረሰብ ዓለም ህይወቶም ንምትራፍ ክበፅሐሎም ፀዊዖም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ሓላፊ ሕክምና ኩላሊት ዶ/ር ኤፍሬም በርሀ ከምዝገለፆ ኣብቲ ሆስፒታል ንነዊሕ እዋን ግልጋሎት ሕፅበት ይወሃቦም ካብ ዝነበሩ 50 ተሓከምቲ “እቶም 18 ሕሙማት መድሓኒትን መሳርሕታት ሕፅበት ኩላሊትን ብዘይምህላው ብህይወት ስኢንናዮም ኢና” ኢሉ።

ወዲ 11 ዓመት ህፃን ከዋኒ በርሀ ካብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረ-ሰላም ሓዱሽ ረኽሲ ኩላሊት ኣጋጢምዎም ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝመፁ ተሓከምቲ ሓደ እንትኸውን “መድሓኒት የለን፣ ኣብ ከቢድ ቃንዛ እየ ዘለኹ” ብምባል ዘለሉ ኩነታት ይገልፅ። ንከዋኒ ከሐክም ዝመፀ ኣይተ ብርሃነ ዳኘው “ባንኪ ብምዕፃው ነዳዲ እውን ስለዘየለ ነዊሕ እዋን ተፀቢና ኢና መፂና። ኣብ ዓይደር ምስ መፃና እውን ነቲ ሕፅበት ኩላሊት ዘድሊ መሳርሒ ከምዘየለ ምስ ተረዳእና ናብ ከቢድ ወጥሪ ኢና ኣቲና” ይብል።

ኣይተ ብርሃነ ዳኘው ንሓው ንከዋኒ በርሀ እንዳሐከመ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳርን ልምዓትን እቲ ሆስፒታል ሙሴ ተስፋይ ብወገኑ “ካልኦት ቅድሚ ሐዚ ዝመፁ ተሓከምቲ ሕፅበት ኩላሊት እውን መድሓኒትን ናውቲ ሕፅበትን ስለዘይብልና እቶም 14 እንትሞቱ እቶም ዝተረፉ 6 ገዝኦም እዮም ተመሊሶም” ክብል ተዛሪቡ። እቲ ዋና ዳይሬክተር ወሲኹ እውን “ሕፅበት ኩላሊት ንዘድልዮ ሰብ መድሓኒትን መሳርሒን የብልናን ክንብል ከለና ንባዕልና እውን ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ንወድቕ ኣለና። እዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ሰብ ክድሕን እናኸኣለ ፍርዲ ሞት ዝበየነን ኣንፃር ሰብኣዊንት ዘቕነዐን እዩ” ይብል።

ብሓፈሻ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ካብ ዝመፁ ተሓከምቲ እቶም 32 በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕፅዋ ብዝተፈጠረ ሕፅረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምዝሞቱ እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጡ።


ካብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ ክሳድ ጋባ ዝመፀት ወይዘሮ ኤልሳ ገብረሊባኖስ ካብቶም ኣብቲ ሆስፒታል ንነዊሕ እዋን ግልጋሎት ሕፅበት ኩላሊት ክረኽቡ ዝፀንሑ ተሓከምቲ ሓንቲ እያ።

ወይዘሮ ኤልሳ “ንሕፅበት ዘድሊ መሳርሒ ስለዘየለ ቅድሚ ዓመት ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝግበረልና ዝነበረ ሕፅበት ሎሚ ሓንቲ ግዜ ምርካብ እውን ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ። እታ ሎሚ ነካይዳ ዘለና ሕፅበት እኳስ ቀፃሊ ሰሙን ንረኽባ ዶ ኣብ ውጥረት ኢና ዘለና” ክትብል ትገልፅ።

መተሓባበሪ እቲ ክፍሊ ነርስ ጥዑም መድህን ብወገኑ “እቶም ሐዚ ዘለው ተሓከምቲ እውን ነቲ ዝወሃብ ግልጋሎት ሕፅበት ዘድልዩና መሳርሒታት ብምውዳእና ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ኢሉ።
ተሓካሚት ወይዘሮ ኤልሳ ገብረሊባኖስ ብወገና “ሕክምና ምርካብን ዘይምርካብን ህይወት ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ኣብ ምኽፋትን ዘይምኽፋትን እቲ ዕፅዋ ይድረኽ። ህይወተይ ናይ መዓልቲታት ዕድመ እዩ ዘለዋ” ክትብል ተዛሪባ።

ሓላፊ ሕክምና ኩላሊት ዶ/ር ኤፍሬም በርሀ እውን እቲ ዕፅዋ ንመዓልቲታት ወይ ንሰሙን እንተቐፂሉ እቶም ግልጋሎት ዝረኽቡ ዘለው ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተሓከምቲ እውን ናብ ከቢድ ሓደጋ ስቓይን ሞትን ዘቃልዖም ብምዃኑ “ንሰብኣዊነትን ሰብኣዊ ግልጋሎትን ዝግደስ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ተግባራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ እዚ ምስ ፖለቲካ ርክብ ዘይብሉ ዓለምለኻዊ መሰል ምርካብ ግልጋሎት ሕክምናን መድሓኒትን ከውሕስ ይግባእ” ክብል ይላቦ።