ኣብ መቐለ ንሕክምና ካብ ዝኸዱ 180 ህፃናት እቶም 13 ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ሞይቶም!

ኣብ ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል መቐለን ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ክሕከሙ ካብ ዝመፁ 180 ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህፃናት እቶም 13 ከምዝሞቱ ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር መሓመድ ሙስጦፋ ገሊፁ። እቶም 104 ህፃናት ኣብ ዓይደር ከምኡ እውን እቶም 76 ኣብ ሆስፒታል መቐለ ግልጋሎት ሕክምና ክወሃቦም ዝፀንሑ እዮም።

ዶ/ር መሓመድ ሙስጦፋ ከምዝገለፆ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሕከሙ ዝነበሩ 8 ካብቶም ኣብ ሆስፒታል መቐለ ክሕከሙ ዝፀንሑ ድማ 5 ብሓፈሻ 13 ህፃናት ብምኽንያት ሕፅረት ምግቢ ሞይቶም እዮም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ መጠን ዋሕዚ ህፃናት ሕሙማት ሕፅረት ምግቢ ካብ 12-13 ህፃናት ብወርሒ እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ብኣንፃሩ ብወርሒ ብማእኸላይ 44 ሕሙማት ህፃናት ይመፁ ምህላዎም ዶ/ር መሓመድ ኣረዲኡ።

ካብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ መጠን ሕሙማት ሕፅረት ምግቢ ህፃናት ብ366% ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። እቶም ናብዘን ትካላት ሕክምና ዝመፁ ዘለው ህፃናት ኣብ ብርኪ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝበፅሑ ምዃኖም ዝጠቐሰ ዶ/ር መሓመድ፣ ኩሎም ተሓከምቲ ካብ መቐለን ከባቢኣን ዝመፁ ብምዃኖም ድማ ምስቲ ዕፅዋ ኮምዩኒኬሽን ተወሲኹ ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሕፅረት ምግቢ ህፃናት ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለ የብርህ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር መሓመድ ሙስጦፋ ብፍሉይ ምስ ኣክሱማይት ሚድያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እዚ ናህሪ መጠን ሕፅረት ምግቢ ህፃናት “ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ኲናት ንዕኡ ስዒቡ ዝተኻየደ ዕንወት ትካላት ጥዕናን ሐዚ ዘሎ ዕፅዋን ዝተፈጠረ እዩ” ይብል። ሕፅረት መድሓኒት፣ ብምኽንያት ዕንወት ትካላት ጥዕና ርክብ ትካላት ጥዕናን ሪፈራል መስርሕን ምጥፍኡን ሕፅረት ንምርመራ መሳለጢ ዝውዕሉ ሪኤጀንትን ቀንዲ ፈተናታት ግልጋሎት ሕክምና ህፃናት ምዃኖም ዶ/ር መሓመድ ሓቢሩ።
ዶ/ር መሓመድ ሙስጦፋ ወሲኹ እንትገልፅ እዚ ዕፅዋ እዚ ካብዚ ንላዕሊ ግዜ ዝወስድ እንተኾይኑ “ሆስፒታል ምፅናሕን ገዛ ምፅናሕን ማዕረ ይኸውን ኣሎ” ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም “እቲ ዕፅዋ ንክለዓል ከቢድ ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ” ክብል ተማሕፂኑ።