እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

ካብ ስዕረቶም ዘይመሃሩ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ቅድሚ ስለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ኣዊጆም ዝተግበርዎ፣ ስነ ልቦናውን ቕሉዕ ወታደራዊን ወራራት ሎሚ እውን ብዝኸፍአ ኣገባብ ንምፍፃም ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ወዲኦም ኲናት ህልቂት የካይዱ ኣለው።


እዞም ናይ ጥፍኣት ወረርቲ ሓይልታት፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብቀንዱ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ሕቖኦም ጎዚዙ ምስ ማእለያ ዘይብሉ ጋዕገልጠም መሳርሒ ኲናቶም ደኲዑ ናብ ሓሞኽሽቲ ኽቕየሩ ምስ ገበሮምን ካብዚ ዝተረፉ ኣምሊጦም ጭርኦም ዶጒሎም ምስ ሃደሙ፣ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ዋና ከተማ ትግራይና ዝኾነት መቐለና ሓዊስካ መብዛሕትኡ ቦታታት ትግራይና ኣየር ሓርነት ክትንፍስ ክኢሉ ኣሎ።


ይኹን እምበር እዞም ፕሮጀክት ጥፍኣት ሓንፂፆም እንትርፊ ተፈጥራዊ፣ ሰብኣዊን ማተርያላዊን ሃብትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምፅናትን ምዕናውን ካሊእ ውራይን ገዛ ዕዮን ዘይብሎም ወረርቲ ሓይልታት፣ ትግራይና ብኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓፅዮም፣ በቢ ዕለቱ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ሰኣን መድሓኒት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ክረግፍ ገይሮምን ይገብሩን ኣለው። ስለዝኾነ’ውን ትግራይ ሓኒቕካ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐን ዝበፅሕ ዘሎን ጉድኣት ተሓተቲ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፥ መላፍንቱን ምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ።


ሳዕቤን ኲናት ዘስዕቦ ጣጣን፣ ብኣንፃሩ ዋጋ ሰላም እንታይ ምዃኑ ብክልስ ሓሳብ ዘይኮነስ ብተግባር ዝፈልጡን ዝትግብሩን ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ትማሊ፣ ሎሚ፣ ይኹን ወትሮ ብዘይካ ሃንቀውታን ድሌትን ቅሳነት፣ ሰላም፥ ዲሞክራሲ፣ ልምዓትን ብጭፍርካ ሰሪሕካ ምንባርን፣ ፖለቲካዊ ፍልልያት ድማ ብዘተን ሕግን ጥራሕን ጥራሕን ከምዝፍትሑ ኣሚኖም፣ ንተግባራዊነቶም፣ ኩለ መዳያዊ ፃዕርታት ብምግባር ላዕልን ታሕትን እናበሉ ይርከቡ። እንተኾነ ብሓደ ኢድ ምጥቓዕ ስለ ዘይካኣል ማለት ውን ብሰንኪ እዞም ደፕሎማሲ፣ ዘተን ሕጊ ዝሕርሞም ዘረግቲ ሰላም ወረርቲ ሓይልታት፣ ባህጊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይሰመረን።


ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብተደጋጋሚ መርገፂታት ወሲድኩም ዕለታዊ መግለፂታት ኣውፂእኩም፣ ተውፅኡ እውን ኣለኹም። ጉዳይ ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ፣ ወረርቲ ሓይልታት ናብ መኣዲ ሰላም ክኣትው ዝገበርክምዎ ፃዕርታትን ዘንበርክምዎ ማዕቀበትን ትህብዎ ዘለኩም ተደጋጋሚ መጠንቀቅታን ትገበርዎ ዘለኩም ፃውዒታት ብወረርቲ ሓይልታት ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ክቅየር ኣይከኣለን። ብካሊእ መዳይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ኣትዩ ብሓለንጊ ጥምየት ኣብ ዝረግፈሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ደገፍ እኽልን መድሓኒትን ከይረክብ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ረድኤት ሕቡራት መንግስታት፣ ጉጀለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ኣባሪርዎም ኣሎ። ወረርቲ ሓይልታት እዙይን ካልኦት እኩይ ተግባራትን እንትፍፀሙ ፀገም ዝፈትሕ፥ ለውጢ ዘምፅእ ስጉምቲ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣይተወሰደን።


ብሓፂሩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝበፅሖም ማእለያ ዘይብሎም በደላትን ፀገማትን ተፃዊሮም ንኹሉ ነገር ብትዕግስቲ ተፀሚሞም ተፀብዮም እቲ ፀገም ብሰላም ፣ ዘተ፣ ሕግን ዲፕሎማስያውን ቃልሲን ንምፍታሕ ዕድል ሂቦም ብልብን ብቅንዕናን ተቃሊሶም እንተኾነ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ምስ መሻርኽቱን ተመሻጢሩ ነቲ ዕድል ዘተ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ክተርፍ ገይሩ ኲናት ወሊዑልና ኣሎ ፡፡ ስለዝኾነ’ውን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝፅበይዎ ዝነበረ ኣፋፍኖት ዘተ ሰላም ተስፋ ዘይብሉ ብምዃኑ ወርርቲ ሓይልታት ሂቦምና ዘለው ዕድል ሓንትን ሓንትን ጥራሕ እያ ፡፡ ንሳ እውን ወረርቲ ሓይሊታት ብዝርደኦም ቋንቋ ማለት እውን፣”ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና” ዝብል መሪሕ ሓሳብና እንተይፈተውና ተገዲድና ብምትግባር፣ ወረርቲ ሓይሊታት ዝወልዕዎ ውግእ መኪትና ከም ልማድና ፀላእትና ብሓይሊ ብረት ምሕምሻሽ እዩ፡፡


ሕዚ’ውን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ደለይቲ ሰላም ፈተውትናን ደገፍቲ ህዝባዊ ቃልሲና ንክነፍልጦም እንደሊ፣ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብሰላም መዕለቢ ክግበረሉ እንተኾይኑ ጉጅለ ፋሽሽቲ ዓብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ቅድም ክብል ዘቕረብናዮም ጉዳያት ቶኽሲ ጠጠው ምባልን ዘተን ከይሸራረፉ ብዘይውዓል ሕደር ቀልጢፎም ይቀበሉ ፣ ኣይፋሉን እንተይሎም ግና ፣ ወረርቲ ሓይልታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባፅ ንግደድ ዘለና ምዃንና ክፍለጥ ኣለዎ።


ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ !!


ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ፣ ብወረርቲ ሓይሊታት ዝበፅሐካ ኣእምራዊ ስብራት ፣ ሰብኣዊ ህሊናዊን ማሕበረ- ኢኮኖምያውን ቅልውላውን ተሰኪምካ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዙይ በፂሑካ ዘሎ ዓፀቦን ጥምየትን ተፃዊርካ፣ ቀዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ኣጀንዳኻ ህዝባዊ ኩናትና ምዕዋት እዩ፣ ኩሉ ነገር ድሕሪ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ ኢልካ ደቅኻ መሪቕካ ኒሕን ወነን ኣስኒቕካ ናይ ሎሚ ፣ ፅባሕን ቀፃሊትን ትግራይና ሰብ ዋና ዝኾኑ መላምል ደቅኻ ፣ንቃሕ ! ተወደብ ! ተጋደል! ተዓወት! ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ናብ ታዕሊም ክውሕዙ ገይርካ፤ትገብር እውን ኣለኻ ፡፡ እዞም መላምል ደቅና ምስቶም ቅድም ኢሎም መስተንክር ቅያ ዝሰርሑ ደቅኻ ተፀንቢሮም ደመኛ ፀላእትና ከም ዝሕምሽሽዎም ኣየጠራጥርን፡፡ ስለዝኾነ ህዝብና ዝጀመርካዮ ኩለመዳያዊ ምርብራብ ኣደንፊዕኻ ቀፅለሉ፡፡ ወገናትና ብጥምየት ከይሃልቁ እትገብሮ ዘለኻ ምድግጋፍ ከም እትቕፅለሉ እውን መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡ ንኹሉ ክሳብ እቲ ዘይተርፍ ወርቃዊ ዓወት ኣብ ኢድካ ትዓትር መኸተኻ ኣዛይድካ ቀፅል። ህዝቢ ትግራይ ብኽባ ተሓኒቕካ፥ ብጥምየትን ሕማምን ክትረግፍ ዝተፈረደልካ ይኹን እምበር ህዝብና ንኹሉ ክባ ፈንፂሕካ ንክጎብጠካ ዝተልዓለ ሰራዊት ብምድምሳስ ዘይተርፍ ዓወት ንምምዝጋብ ወፍርኻ ኣሐይል።


ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ


ኣብቶም ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ፣ ደመኛ ፀላእትና ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት መኪትካ፣ ልክዖም ክፈልጡ ገይርካ ኢኻ። ፀላእትና ሕዚ’ውን ወሊዖሞ ዘለዉ ወራር ብምምካት ክተመዝግቦ ጀሚርካ ዘለኻ ድሙቕ ዓወት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓበንን ኩርዓትን ይስምዖም። እዞም ኣብ ኣፍ ደገ መቓብር ኮይኖም፣ ዝፍክሩን ዝዕንድሩን ዘለው ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ደራዓዒምካ፣ ሕነ ህዝብና ፈዲኻ፣ ዓለም ብዓለሙ ዘስደምም ካሊእ ተወሳኺ ዓወት ከም እተመዝግብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ይተኣማመኑ’ዮም።


ዝከበርኩም ህዝብታት ኢትዮጵያ!!


ኣብቶም ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ብምድንጋርን፣ ብምፍርራሕን ደቅኩም ግዳይ ሞትን መቁሰልትን ገይሩ ጥራሕኩም ኣትሪፍኩም’ዩ። ሐዚ’ውን ይቅፅል ኣሎ። እንተኾነ ቅድሚ ሕዚ ናብ ትግራይ ዝኸዱ ኣበይ ኣትዮም? ኢልኩም ሕተቱ። ሕዚ’ውን ኣብ ዓውደ ግምባራት ንፀረ ህዝቢ ልኡኽ ዝረግፉ ዘለዉ ደቅኹም ኣድሕኑ።


ደቅኹም ንህልውና ኢትዮጵያ ከይኮነስ ንመጭበርበራይን በታኒ ሃገር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ህልውና ክብሉ ከም ፅንብላሊዕ ሓሪሮም ተወዲኦም ‘ዮም። ሎሚ’ውን ናብ ሓዊ ይጥቕጥቖም ኣሎ። ስለ ዝኾነ ይኣክል ኢልኩም ድምፅኹም ኣስምዑ። ኣብ ህዝቢ ዓፋር፥ ወሎን ጎጃምን ተጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ተጠናኺሩ ካልኦት ህዝብታት እውን ክስዕቡዎ ይግባእ።


ሰራዊት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ንበትረ ስልጣን ተስፋሕፋሕቲ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ዕድመ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንምንዋሕ ክሳብ ማዓዝ ብከንቱ ደምካ ተፍስስ። ኣብዘይምልከተካን ዘይትኣምነሉን ኩናት ሂወትካ ብኸንቱ ክሓልፍ የብሉን። ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝረአ ዘሎ ህልቂት ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ስለዝኾነ ሐዚ ዘለካ ዕድል ሓንቲ ጥራሕ እያ። ክልተ ሰለስተ ዝበሃል ዕዱል የብልካን። እንተኽኢልካ ብረት ኣፈሙዝካ ናብቶም ኣብ ሓዊ ጠቕጢቖምካ ዝሃድሙ።፣ ንከብዶም ዝሓድሩ ጀነራላትን ስዓብቶምን ኣዚርካ በሎም። እንተዘየለ ሂወትካ ንምድሓን ብሰላም ኢድካ ንሰራዊት ትግራይ ሃብ። እንተዘይኾይኑ ግና ከምቶም ቅድሚ ሐዚ ኣብ መሬት ትግራይ ዝተቐበሩ ዕጡቓት ምቕባርካ ከምዘይተርፍ ክነፍልጠካ ንደሊ። ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ዝርአ ዘሎ እውን ነዚ ዝግለፅ ዘሎ ዘረጋግፅ ስለዝኾነ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ንባዕልኻን ንህዝብኻን ዘድሕን ታሪኻዊ ውሳነ ወስን፤ ጊዜ የለን።


ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ


ህዝቢ ኤርትራ፣ ብደምካ ዘረጋገፅካዮ ናፅነትካ፣ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቶም “ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ” ዝብሉ ሓይልታት ትምክሕቲ ኢድን ጓንትን ኾይኑ ኣሕዲጉካ ኣሎ። ደቕካ ኣብ ዘይፈልጥዎ ቦታታት ኦሮምያ፣ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ሽሻይ ኣሞራ ኮይኖም’ዮም። ስለዝኾነ “ይኣክል” ኢልካ ደቅካ ካብ ሞት ኣድሕን።

ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ፣ ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ‘ውን ተልዓሉ፣ ዕድመ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምሕፃር ተረባረቡ። ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ቅድሚ ሐዚ መንግስቲ ትግራይ ዘቕረበልካ ፃውዒት ተቐቢልካ ተግባራዊ ግበር።


ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ሐዚ ትግራይና ዳግም መዐንደሪት ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ከይትኸውን ዘኽእል ሞራልን ዓቕምን ከም ዘለና ንፈታውን ፀላእን ክነፍልጥ ንደሊ።


ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
07 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም