ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ፡ ሰልጠነ ግርማይ ንሓገዝ ማሕበር ተስፋሂወት ኤች ኣይ ቪ ፖዝቲቭ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ 200 ሽሕ ብር ኣወፍዩ።

” ተፈታዊ ቶክሾዉ ” ብዝብል ዝፍለጥ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ሰልጠነ ግርማይ ንማሕበር ተስፋ ሂወት ኤች ኣይ ቪ ፖዝቲቭ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዝዉዕል ሓገዝ ብር 200 ሽሕ ከምዘበርከተ ተገሊፁ።

እዚ ገንዘበዊ ደገፍ ንልዕሊ 75 ፖዝቲቭ ኤች ኣይ ቪ ዝኾና ደቂ ኣነስትዮ ከምዝተኸፋፈለ እዉን ተሓቢሩ።

እተን ሓገዝ ዝተገበረለን ሑሙማት እቲ ቫይረስ እዉን ነቲ ዝተገበረለን ሓገዝ ኣመስጊነን ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀላእቲ ብጎሮሮና ኣብ ዝሓዙና እዋን እዚ ምርካብና ዓብዪ ነገር እዩ ክብላ ገሊፀን።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓፅዩ እንተብቅዕ ንሕና በቲ ቫይረስ ዝተጠቓዕና ሑሙማት ድማ መድሓኒትና እናወስድና ደቅና ከይነዕቢ ዕድመና ንምሕፃር ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ብምባል እዚ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ኢ – ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ ሓቢረን።

ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ ኤርትራ ደለይቲ ፍትሕን ኣንፃር ፕሬዝደንት ኢሳያስ ቃልሶም ዘሰጉሙ ብርክት ዝበሉ እንትኾኑ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብመዳይ ስነ ጥበብ፣ ዲፕሎማሲን ድምፂ ተቓዉሞን እናሳለጡ መፅዮም እዮም።

ምስ ኣኽሱማይት ሚድያ ፃንሒት ዝገበረ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ክብሮም ሃ/ማርያም እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ዉዲት ንምቅዋም ሞያኡ ብዝእዝዞ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኢትሒዙ ምስ ናይ ሙያ መሓዙቱ ዝተፈላለዩ ዉፅኢት ስነ ጥበብ እናበርከተ ከምዝመፀ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ሓዉ ህዝቢ ትግራይ ብመንግስቲ ሻዕብያን ተኸተልቱን ዝበፀሐ ግፍዒ ከም ኤርትራዊ የሕዝነኒ እዩ ዝበለ ስነ ጥባባዊ ክብሮም እቲ ዓወት ብተጋሩ ከምዝዛዘም በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ ኢሉ።

እዚ ዓወት ክሳብ ዝገሃድን ናትና ሕቶ ክሳብ ዝምለስን ፍትሒ ክሳብ ዝሰፍንን ድማ ኣነን ከማይ ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዉያንን ቃልስና ኣሐይልና ክንቅፅል ኢና ክብል ኣረዲኡ።

ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ዘይተነገረ እምበር ዘይተበረ የለን እዞም ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱን ዋጋ ንኸሰኸፍሉን ድማ መነሰእሰይ ትግራይ ምስ ሽሾ ሰራዊት ብምግጣም ዓወታት እናሓፈሰ ይርከብ።