ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ ዝኣተዎ ክባ ፈንፂሑ ንምውፃእ ንወረርቲ ሓይልታት ብዝርደኦም ቋንቋ ‘ሓይሊ ብረት’ ከምዝሕምሽሾም መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

ወረርቲ ሓይልታት፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብቀንዱ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ሕቖኦም ጎዚዙ ምስ ማእለያ ዘይብሉ ጋዕገልጠም መሳርሒ ኲናቶም ደኲዑ ናብ ሓሞኽሽቲ ኽቕየሩ ምስ ገበሮምን ካብዚ ዝተረፉ ኣምሊጦም ጭርኦም ዶጒሎም ምስ ሃደሙን መብዛሕትኡ ቦታታት ትግራይና ኣየር ሓርነት ክትንፍስ ከምዝኸኣለ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኮይኑ ግና እዞም መደብ ጥፍኣት ሓንፂፆም እንትርፊ ተፈጥራዊ፣ ሰብኣዊን ንዋታውን ሃብትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምፅናትን ምዕናውን ካልእ ውራይን ገዛ ዕዮን ዘይብሎም ወረርቲ ሓይልታት፣ ትግራይና ብኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓፅዮም፣ በቢ ዕለቱ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ሰኣን መድሓኒትን ብዝተፈላለዩ ሕማማት ክረግፍ ገይሮምን ይገብሩን ከምዘለው ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ትግራይ ሓኒቕካ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐን ዝበፅሕ ዘሎን ጉድኣት ተሓተቲ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፥ መላፍንቱን ምዃኖም ክፍለጥ ከምዘለዎ መንግስቲ ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ኣትዩ ብሓለንጊ ጥምየት ኣብ ዝረግፈሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ደገፍ እኽልን መድሓኒትን ከይረክብ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተባረሩን ነዚ ካልኦት እኩይ ተግባራትን እንትፍፀሙ ፀገም ዝፈትሕ፥ ለውጢ ዘምፅእ ስጉምቲ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምዘይተወሰደ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እውን ወረርቲ ሓይልታት ብዝርደኦም ቋንቋ ማለት እውን “ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምሕንጋጥ ወረርቲ ሓይሊታት ዝወልዕዎ ኲናት መኪትና ከም ልማድና ፀላእትና ብሓይሊ ብረት ከምዝሕምሸሹ ኣረጋጊፁ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብደምካ ዘረጋገፆ ናፅነት፣ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቶም “ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ” ዝብሉ ሓይልታት ትምክሕቲ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ከምዝመንጠሎን ደቁ ኣብ ዘይፈልጥዎ ቦታታት ኦሮምያ፣ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ሽሻይ ኣሞራ ይኾኑ ከምዘለውን “ይኣክል” ኢሉ ደቁ ካብ ሞት ከድሕን መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።