ኣብ ትግራይ ነቲ ዓለም ዘገረመ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ዘንዕቕ ጽንተት ከምዝተፈጸመ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ገሊጹ።

ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣጣይሽዎ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ምምሕዳር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈፀመ ወይ ኣብ ዓለምና ዝተፈፀመ ጅምላዊ ቅትለትን ምፅናት ዘርእን ዘንዕቕ ገበናት ኲናት ከምዝተፈፀመ ገሊፁ።

ኣይተ ገብረመስቀል፡ ምስ ኣኽሱማይት ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመሕትት፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲሙ ዝኣተወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ሰፊሕ ግፍዒ እንትፍፅም ናብ ትግራይ ኣይኣተወን ክብሉ ይግደዱ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን እቶም ኣባላት ግዚያዊ ምምሕዳር ናብ ትግራይ ብክልል ኣምሓራ ኣቢሎም እንትመፁኡ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ብምዕራብ ትግራይ ኣይትኸዱን እዚ መሬት ኣምሓራ እዩ ብዝብል ከምዝተንገላተዑ ይዛረብ።

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምስ ኣተው ድማ ሰራዊት ኤርትራ ፋብሪካታት ነቒሉ እንትወስድን ህዝቢ እንትቐትልን ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመልካትን ተሓባባራይ ምንባሩ ከምዝተመልከተ ተዛሪቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ምስ ብፆቱ ኮይኑ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተቐተሉ ልዕሊ 8 ጋሪ ሬሳ ሰለማውያን ሰባት ከምዝኣረየን ካብዚ ንላዕሊ ቁፅሪ ዘለዎ ሬሳ ንሳቶም ከይሪእዎ እቶም ሰራዊት ባዕሎም ከምዘልዓልዎን ቀፅሪ ምህንድስና ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብዓይኑ እናረኣየ ክፈርስ ከምዝተገበረን መስኪሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዓድዋ፣ ዓድግራት፣ ዕዳጋ ሓሙስን ውቕሮን ከቢድ ዕንወትን ዝምታን ትካላት፣ ግፍዓዊ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተዓዘበ ኣይተ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ከተማ መቐለ፡ ማሽነሪታት ትካላት ትእምት እንትዝመቱን እንትዓንውን፣ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታትን ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስን እንትዓኑ ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሻሪኾም ነዚ ዝፍፅሙ ኣባላት መሪሕነት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝነበሩ ኣረጋጊፁ።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝእዘዝን ብዋናነት ብኮማንድ ፖስት ይምራሕን ከምዝነበረ እውን ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ መንግስቲ ብምፍራስ ናብ ስልጣን ዝመፁ፡ ንውልቀኡ ሓዊሱ ኣባላት ነበር ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይንኣስ ይብዛሕ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ኲናት ተሓተቲ ምዃኖም ኣነፂሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንስርዓት ኢትዮጵያ ብምቅዋም ዖቕባ ከምዝሓተተን ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምስረታ ሃገረ ትግራይ ንኽዛዘም ባህጊ ከምዘለዎ ኣይተ ገብረመስቀል ሓቢሩ።