ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝነበረ ምሁር ታሪኽ ፕሮፌሰር ገላውድዮስ ኣርኣያ ገሊጾም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሃገራትን ዝተሳተፋሉ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ነዚ ጅኦ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምስ ኩናት ትግራይ ብምትሕሓዝ ምስ ኣኽሱማይት ሚድያ ቃለመሕትት ዘካየዱ ፕሮፌሰር ገላውድዮስ ጆኦፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን ኣዝዩ ኣገዳስን ብቀጥታ ዝጸልወና ከምዝኾነን ገሊፁ።

“ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጅኦፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዝተሓሓዝ ሕልክልክ ዝበለን ንበይኑ ተነጺሉ ኣብይ ኲናት ኣዊጁ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተባሂሉ ከምዘይሕለፍ” ዝገልጹ ፕሮፌሰር ገላውድዮስ ትግራይ ኣብ ጆኦፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ይኹን ቀይሕ ባሕሪ ማእኸላይ ቦታ ከምእትሕዝ ይዛረቡ።

ካብ ምዕራብ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳንን ግብጺን ምስ ናይል ብዝተተሓሓዘ፤ ብምብራቅ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ክሳብ ወሽመጥ ፐርሽያ ካልኦት ሃገራት ከም ኳታር፣ ዓረብ ኢምሬትስ፣ ሱዕድ ዓረብን ባህሬን ኣብ ጆኦፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን ተዋሳእቲ ከምዝኮኑን ኣብ ኲናት ትግራይ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ከምዝተሳተፉን ድማ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ውሽጣዊ ናይ መከላከሊ ሓይሊን ናይ ክልላት ሓይሊን ካብ ምስታፍ ሓሊፉ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ከም ሶማሊያን ኤርትራን ኣብ ኲናት ትግራይ ብቀጥታ ዝተሳተፋ እንትኸውን ቀይሕ ባሕሪ ተሳጊረን ዝርከባ ከም በዓል ሱዕድ ዓረብን ዓረብ ኢምሬትስን እውን ተሳቲፈን እየን።

ነዚ ንምዕዋት ዓረብ ኤምሬትስ ኣብ ኤርትራ ዓሰብን ሶማሊላንድን ቦታ ሒዛ፡ ቀርኒ ኣፍሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ንሙቁፅፃር ኣብ ጸጥታን ድሕንነትን ጉዳይ ብሓንሳብ ዓሊሞም ኣብ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሃገራት ኢትዮጲያ፣ኤርትራን ጁቡቲን ክስርሑ ተንቀሳቂሶም እዮም።

ስትራተጂካዊ ኣድላይነት ቀይሕ ባሕሪ ዝሰሓቦም ሃገራት ዓረብ ቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ ውሽጣዊ ጉድያት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣትዮም ክሳተፉ ዝተቀሳቀሱ እንትኸውን ካብ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክሳብ ወታደራዊ ሓይሊ ሚዛን ኲናት ትግራይ ቀይሮም እዮም።

ሰራዊት ትግራይ ዝነበሮ ናይ ከቢድ ብረት ተኮሲ ዓብላላይነት ኣብ ሓጺር ግዜ ብዘመናዊ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ዓረብ ኤምሬትስ ካብ ዓሰብን ኣዲስ ኣበባን እናተበገሳ ከምዘይነበረ ዝገበሮኦ እንትኸውን ህዝቢ ትግራይ ብወታደራት ሰራዊት ሃገራት ክጭፍጨፍ ምችው ኩነታት ፈጢረን እየን።

ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ትግራይ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ ኢትዮጲያ ካብ ምርዳእን ምትንታን ሓልፊና ጆኦፖለቲካ እቲ ዞባ ከመይ ኢና ክርዶኦን ናብ ረብሓና ክነሽርፎን ዝግባእ ዝብል ሕቶ ካብ ኣኽሱማይት ዝቀረበሎም ፕሮፌሰር ገላውድዮስ ኣብ ትግራይ ተሓጺርካ ዝመጸአካ ጸላኢ ብቡዙሕ ዋጋን መስዋእቲን ካብ ምምካት ሓልፍካ ነቲ ጆኦፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ዞባ ብዘለካ ዓቅሚ ክትጸልው ከምዝግባእ ይምዕዱ።

እተን ሃገራት ብቐንዱ ብሄራዊ ረብሓን ንምዕዋት ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቀሳ ሓይሊ ሚዛኑ እንትልወጥ ኣሰላልፋ እዘን ሓገራት እውን ምልዋጡ ከምዘይተርፍ ሓቢሮም ።

ቀይሕ ባሕሪ ቀንዲ ኣጀንዳ ትግራይ ምኳኑ ዝገልጹ ፕሮፌሰር ገላውድዮስ ድሕሪ ሞት ሃጸይ የውሃንስ ጆኦፖለቲካ እውን ሽዑ ከምዝተቐየረን ብምትሕብባር ጣልያንን ሃጸይ ምንሊክን ኣብቲ ግዜ ጣልያን ተገሚዑ ከምዝከደ ይዛረቡ።

ብዙሓት ናይ ታሪክ መረዳእታት ጠቒሶም ግዝኣት ትግራይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ምንባሩን “ደጃት ስባጋድስ ቀይሕ ባሕሪ ጉሮሮና እዩ። እንተሞይተ ኣብ ጥቃ ቀይሕ ባሕሪ ቅበሩኒ። ዘይክኢልኩም ከኣ ዋላ ርእሰይ ናብኡ ገጸይ ገይርኩም” ቅበሩኒ ይብል ከምዝነበረን ወሳንነትን ኣድላይነትን ቀይሕ ባሕሪ ካብቲ ዘመን ጀሚሩ ዝተረዶኦም ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ድሕሪ ምስኣን ቀይሕ ባሕሪ ግን ትግራይ ኣብ ጸገም ከምዝወደቐት ዝዛረቡ ፕሮፌሰር ገላውድዮስ ሐዚ እውን ምስ ገስገስቲ ኤርትራውያን ተሓባቢርካ እቲ ዘሎ ስርዓት ብምዋድቅ ክልቲኤን ሃገራት ተሓቢረን ዝሰርሓሉ ኩነታት ብምፍጣር ውደብ ዝርኸበሉ መገዲ ክስረሓሉ ከምዘለዎ ይምዕዱ።

ብምዃኑ እውን ብዝተፈላለዩ ብልሓትን መገዲን ትግራይ መውጽኢ በሪ ክፈጥር ግድን ከምዝኮነን እዚ ዊዒሉ ሓዲሩ ጋህድ ከምዝከውንን ድማ ምሁራዊ ትንታንኦም ሂቦም።