ኣብ ዓለም ድሮን ዘፍርያ ሃገራት በዓል መን እየን?

ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኲናታት ድሮናት ኣብ ስልለላን ዝተመረፀ ዒላማ ፈሊኻ ኣብ ምውቃዕን ብምስታፍ ውፅኢት ኲናት እናቐየራ ይርከባ።

መጠን ድሮናት (size) ምስተን ወተደራዊ ኮና ናይ ንግዲ ነፈርቲ እንትነፃፀር ኣዝየን ዝነኣሳ እንትኾና እቲ ዝቆፃፀር ኣካል ድማ ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ኮይኑ እዩ ዕማም ስለላ ኮነ መጥቃዕቲ ዝፍፅም።

እቲ በዓል ሞያ ኣብ ተንቀሳቓሲ መቆፃፀሪ (mobile ground control station) ኮይኑ ነቲ ዝተዓለመ ቦታ ንምውቃዕ ወይ ሓበሬታ ንምእካብ ይሰርሕ።

ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኲናታት ዝተሳተፋ ድሮናት ብምፍራይ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ምጥቃስ ይከኣል።

ኣብ እስራኤል ኢዳስትሪ ኤሮስፔስ ዝፈርያ ዓይነት ድሮን ክሳብ 2700 ኪሎ ተሸኪመን ክበራ ይኽእላ።

ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ብራኸ ክሳብ 30 ሰዓታት ብዘይምቁራፅ ናይ ምብራር ዓቕሚ ዘለወን እዘን ድሮናት ብቶም ሰብ ሞያ ብርክብ ሳተላይት እዩ ቁፅፅር ዝግበረለን።

ከም ፀብፃብ ዘ-ጀሩሳሌም ፖስት እዘን እስራኤል እተፍርየን ድሮናት ብብዙሓት ሃገራት ተዓዲገን እየን። ጀርመን፣ ኣወስትራልያ፣ ፈረንሳይ፣ ደቡብ ኮሪያን ካናዳን ካብ ሞንጎ እተን ካብ እስራኤል ድሮን ዚኣደጋ ሃገራት እየን።

እዘን ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝፈርያ ድሮናት ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ውዒለን ውፅኢት እቲ ኲናት ቀይረን እየን።

ንኣብነት ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ኣብ ዝነበረ ኲናት ስራሓት ቱርኪ ዝኾና ድሮናት ኣብ ጥቕሚ ውዒለን እየን።

ብቻይና ዝተሰርሓ ዊንግ ሎንግ II ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ኣብ ሊብያ ኣገልግሎት ከምዝሃባ ቅድሚ ሐዚ ዝወፀ ፀብፃብ ቢቢሲ ኣቃሊሑ ነይሩ።

እዘን ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝፈርያ ድሮናት መዐደጊ ዋግአን እውን ዝተፈላለየ እዩ።
ኣሜሪካን እስራኤልን ዝሰርሐአን ድሮናት ምስ ናይ ቱርክን ቻይናን ክነፃፀራ ከለዋ ዘለወን ናይ ዋጋ ፍልልይ ሰፊሕ እዩ።

ሓደ ዘ-ዲፕሎማት ዝተበሃለ ዌብሳይት ቱርኪ እትሰርሐን ባይራክታር ቢ2 ዝተብሃላ ድሮናት ካብ 1 ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር ዝበፅሓ እንትኾን ናይ ኣሜሪካ ኤምኪው-9 ሪፐር ድማ ልዕሊ 30 ሚልዮን ዶላር ከምዝግመት ይገልፅ።

ድሮን ን ግልጋሎት ኲናት ንምውዓል ዓለም ለኻዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይጥቀስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ኣብ ኲናት ትግራይ ድሮን ምጥቃሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንባዕሉ ዘረጋገፆ ጉዳይ እዩ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ብወገኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም ናብ ሚድያ ቀሪቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኲናት ድሮናት ከምዝተጠቐመ ኣረጋጊፁ ‘ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ባዶ ብዘውርድ መልክዑ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ብምሕሳብ ኣፅዋርን ድሮናትን ዓዲጉ ህዝቢ ጭፍጪፉ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ድማ ኢትዮጵያ፡ ስረሓት ቱርኪ ዝኾና ‘ባይራክተር ቲቢ2’ ዝተባህላ ንኲናት ዝውዕላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ካብ ቱርኪ ንክትዕድግ ከም ዝሓተተት ምግላፁ ይዝከር።

እንተኾነ ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ቅድሚ ምፍራማ ግብፂ ምስ ቱርኪ ክትዛተ ኣለዋ ዝብል መርገፂ ከም ዝሓዘት ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኲናት ትግራይ ድሮን ምጥቃሙ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ ናይ መጀመርታ እዋናት እቲ ቃልሲ ንድሕሪት ክምለስን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዕድል ረኺቡ ናብ ትግራይ ክኣቱን ህዝቢ ከበሳብስን ዕድል ሂበን እምበር ሓፈሻዊ ውፅኢት እቱ ቃልሲ ግና ኣይተቐየረን።