ኣብ ትግራይ፡ ስልታዊ ገበን ኲናት ይፍፀም ከምዘሎ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦረል ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስልታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍፀም በደልን ገበን ኲናትን ከምመሳረሒ ኲናት ይጥቀም ከምዘሎ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦረል ኣረጋጊፁ።

ብምዃኑ እውን ሕብረት ኣውሮፓ፡ ዝቕፅል ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ግብረ መልሲ ከምዝህብ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን እቲ ሕብረት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እገዳ ንምንባር ዘኽእል መደብ ንምጅማር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ቦረል ገሊፁ።

ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሕብረት ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ብህፁፅ ደው ክብል እንዘይኮይኑ ግን እገዳ መሳርሒ ኲናት ሓዊሱ ካልኦት እገዳታት ንምትግባር ውሳነ ሓሳብ ከምዘፅደቐ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ውሳነ ሓሳብ ድማ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ፡ ኲናት ትግራይ ንምህዳእ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ናብ ትግራይ ከዋፍርን ከእቱን ከምዘለዎ ዝሓትት እውን ከምዝኾነ ምግላፁ ይዝከር።