ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምህዳእ፡ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ባይቶ ፀጥታ እቲ ሕብረትን እወንታዊ ተርኦም ክፃወቱ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ከብቅዕን በቲ ኲናት ንዝተጎድኡ ሓገዝ ንክበጽሖምን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን እጃሞም ክፃወቱ ዝዓለመ ወፍሪ ከምዝተሳለጠ ኣብ ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ኣተሓባባሪ “ወፍሪ ጥምየት ኣብ ትግራይ የብቅዕ” ዴቪድ ዴል ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው “ዓሚ ሕዳር ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፣ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ተፈናቂሎም፣ ዕንወት ንብረት ሰላማዊያን ሰባትን ትሕተ ቅርፅን ከምዝተፈፀመ ቪኦኤ ንዴቪድ ዴል ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

ዴቪድ ዴል ኮንቴ፡ ኣብ ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ኣተሓባባሪ “ወፍሪ ጥምየት ኣብ ትግራይ የብቅዕ” ምስ ረፉዮጂስ ኢንተርናሽናል ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ዳይረክተር ኦቻ ኮይኑ ንኣስታት ሓሙሽተ ወርሒን ፈረቓን ዘገልገለንን ምስ ሕቡራት ሃገራት ንልዕሊ 20 ዓመታት ከምዝሰርሐን ዝዝከር እዩ።

ብምዃኑ እውን ጉዳይ ቅልውላው ኲናት ትግራይ ከምውራዩ ብምሓዝ፣ ኣብ መድረኻት ዓለም ብምቅላሕን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብ ስራሕ ጥምየት ንኸብቅዕ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ዝገብር ዘሎ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ይግለፅ።

Photo: TMH