ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘጻሪ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ነቲ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ክፃርዩ ከምዝጀመሩ ድሕሪ ምግላፅ ምስቲ መጥቃዕቲ ዝተኣሳሰረ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰለማዉያን ሰባት ድሕንነት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ዉዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉቴሬዝ ነቲ ኣብ ትግራይ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጓሃሀሃረ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኸምዘሻቐሎ ምዝራቡ ኣብ መግለፂ ስቴፈን ዱጃሪክ ሓቢሩ።

ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያንን ህዝባዊ መሰረተ ልምዓታት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ካብ ምፍፃም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ስቴፈን ዱጃሪክ ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ኩሎም ሓይልታት ንድሕንነት ህዝቢ ከቐድሙን ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ከም ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን መድሓኒትን ንኽኣትዉ ክሕግዙ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሚልዮናት ዝግመት ህዝቢ ኣብ ጥምየት ከምዘሎን ዝበለ መግለፂ ሑቡራት ሃገራት ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ኲናት እዚ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ሰለማዉያን ሰባት ምዃኖምን በዚ መሰረት ድማ ንስራሕቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዕንቅፋት ከምዝኾነን ሑቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሮይተርስ ሎሚ ኣብ ዘዉፅኦ ፀብፃብ እቲ ትማሊ ዕለት ዝተወሰደ ደብዳብ ነፈርቲ ሂወት ሰለስተ ሰባት ከምዘጥፈአ ሎሚ ኣብ ጄኔቫ ዝተኻየደ ዋዕላ ወሃቢ ቃል ሑቡራት ሃገራትን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ጄንስ ላርኬ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሁ።

ሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ጥዕና ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዘብፅሕዎ ሓበሬታ ድሕሪ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዘስዐቦ ህዉከትን ድንጋፀን ኣብ ከይዲ ስርሖም ፅልዋ ከምዝፈጠረሎም ምዝራቦም ጄንስ ላርኬ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ካልኣይ ደብዳብ ነፋሪት እዉን ትሸዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ዓበይቲ ሆቴላትን ገዛዉትን ጉድኣት ኸምዝበፀሖም ላርኬ ዝጠቐሰ እንትኾን እዚ ቅልዉላዉ እናተጋደደ ምምፅኡ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ እዩ ክብል ምግላፁ ሮይተርስ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።