በቲ ትማሊ ኣብ መቐለ ብነፈርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ እቶም 3 ካብ ሓደ ስድራ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ዓዉደ ዉግኣት ብሰራዊት ትግራይ ከቢድ ዉቅዒት ዝበፅሖ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዕረቱ ንምክሕሓስ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቅን ከባቢ ሞሶቦ ቁሸት ሓሬናን ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባት እንተሞቱ ትሽዓተ ሰባት ድማ ምቑሳሎም ምንጭታት ኣኽሱማይት ካብቲ ቦታ ኣረዲኦም።

መዓልቲ በዓል መዉሊድን መዓልቲ ዕዳጋ ሶኑዩን ብምንባሩ ኣብ ከተማ መቐለ ብኣሸሓት ህዝቢ ይረኣዩ ከምዝነበሩን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኮነ ኢሉ ሂወት ሰለማዉያን ሰባት ንምጥፋእ ዓሊሙ ዝገበሮ ደብዳብ ከምዝኾነ ምንጭና ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ክፍሊ ሕክምና ነርስ ኣበበ ሃፍቱ ከምዝበሎ፡ እቶም ኣብ ከባቢ መሰቦ ግዳያት ናይቲ ደብዳብ ዝኾኑ ሰለስተ ሬሳታት እቶም ክልተ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝተቐበሎምን እቲ ሓደ ግን ናብቲ ሆስፒታል ከምዘይመፀን ኣረዲኡ።

እቶም ግዳያት እቲ ሓደ ወዲ 12 ዓመት እንትኾን እቲ ካልአዋይ ድማ ወዲ 14 ኮይኑ ሰለስቲኦም ካብ ሓደ ስድራ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ክልተ ዓብዪን ንኡሽተይን ኣሕዋት እንትኾኑ እቲ ሳልሳይ ድማ ወዲ ሓዉቦኦም ምዃኑ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ተዛሪቦም።

ነርስ ኣበበ ከምዝበሎ እቲ ካብ መሰቦ ዝመጽአ ራብዓይ ቁሱል ኣብ ላዕለዋይ ክትትል ከምዝርከብን እቶም ካብ ከተማ መቐለ ዝመፁኡ ሸሞንተ ኣካል ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሰለማዉያን ሰባት ድማ ብሂወት ዘፅንሕ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ከምዝተገበረሎም ገሊፁ።

ይኹን እምበር “እቶም ቁሱላት ኦፕራሴን የድልዮም ድዩ? ወይስ ከቢድ ናይ ዉሽጣዊ ፀገም ፈጢርሎም ንዝብል እኹል መሳርሒ ናዉቲ ሕክምና ስለዘየለ ንምፍላጥ ኣይከኣልን ክብል ነርስ ኣበበ ሃፍቱ ሓቢሩ።

ካብቶም ቆሲሎም ዝመፁኡ ሓንቲ ዝኾነት መንእሰይ ዊንታ ሙሉጌታ፡ “ኣብ ከባቢ ደደቢት መንገዲ እናተጉዓዝኩ በበይ መፅዩ ዘይበልክዎ ሓደጋ ኣጋጢሙኒ” ኢላ።

ብምዃኑ ድማ “ኣብ ኢደይን ርእሰይን ተወቒዐ ኣለኹ ድሕሪ ምባል ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ጥዕና ኹነታተይ እንታይ ከምዘስዕበለይ ኣይፈልጥን ብጣዕሚ እየ ደንጊፀ” ድማ ኢላ።

ካልአይቲ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾነት ወ/ሮ ኣበባ ገ/ማርያም፡ “ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ንኡሽተይ ቤት ቁርስ ኣለትኒ፡ ምስቲ መዓልቲ ዕዳጋ ምንባሩ ብዙሕ ሰብ እዩ ኔሩ እቲ ናተይ ዕዳጋ ድማ ኣብ ወሰን ፅርግያ እዩ ሃንደበት እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙኒ” ትብል።

ወ/ሮ ኣበባ ኣብ እግራን ሑቖኣን ጉድኣት ዝበፀሓ እንትኾን “መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ዕዳጋ ነፋሪት ዉግእ ዝለኣኸሉ ቀንዲ ዕላማ ናብ ዕዳጋ ንዝመፁ ወገናት ንምድብዳብ እዩ እዚ ድማ ኣይንርስዖን” ክትብል ገሊፃ።

እቲ ደብዳብ ክልተ ጊዜ ዝተፈፀመ ኮይኑ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ መቐለ መሰቦ ፍሉይ ቦታ ቁሸት ሓሬና እንትኾን እቲ ካልኣይ ደብዳብ ድማ ከባቢ ሰዓት 6:20 ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ምዃኑ ምንጭታት ኣኽሱማይት ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኣብ ሆቴል ፕላኔትን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ብዉልቀ ሰባት ዝዉነኑ ህንፃታትን መሰረተ ልምዓትን ጉድኣት ከምዝበፀሖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

ካልእ ምንጭና ከምዝበሎ ኣብቲ መበል ካልኣይ ደብዳብ ፅዑቕ ፀረ ነፈርቲ ከምዝተተኮሰን እታ ነፋሪት ብጣዕሚ ሊዒላ ከምዝደርበየትን ምንጭና ኣብሪሁ።

ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ኣቢሉ ጉድኣት ዝበፅሖ ከባቢ ሰራሕተኛታት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺቦም ከምዝተዓዘብዎ ምንጭና ኣረጋጊፁ።

ሪኢቶ በዓል ሞያ ጥዕና ካብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ግዳያት እቲ መጥቃዕትን ከምዝስዕብ ይብሉ።

Up ~~

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰባት ኣብ ዝተኣኻኸብሉን መዓልቲ ዕዳጋን ኣብ ዝኾነ ዕለት ደብዳባት ኣየር እንትፍፆም ናይ መጀመርትኡ ኣይኮነን እቲ 15 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ቶጋጋ ዝተኻየደ ደብዳብን ሂወት ቡዙሓት ዝወሰደን ክስተት ሓደ እዩ ነዚ ስዒቡ እዉን ቡዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነዚ ናይ ትማሊ ደብዳብ ዳግማይ ቶጎጋ ብምባል ፀዉዖሞ እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ’ ኮይንዎ ነቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝኾኖ ደምሳስ ሰራዊት ትግራይ ንምክሕሓስ ክብል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕረ ሞት ምዃኑ ዘዘራረብናዮ ነባር ተጋዳላይ ኣይተ ሃይለ ገ/እዝጋብሄር ገሊፁ።

መራሕቲ ኢትዮጲያ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ መሬት ጠቕሊሉ ንኽጠፍእ ኣብ መዓልቲ ዕዳጋን ሰብ ዝተኣከበሉ ከባቢታትን ምድብዳብ ቀንዲ መለለይኦም ከምዝኾነ ወሲኹ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ እቲ ዓዉደ ዉግእ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ጊዜ ቦታን ኩነታትን ሓልዩ ነቲ ኣብ ግምባራት ገጢሙ ዘይከኣሎ ስዕረት ንምሽፋን ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት 15 ሰነ 1980 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሓዉዜን ኣብ ልዕሊ ንዕዳጋ ዝመፁ ሰለማዉያን ሰባት ዝፈፀሞ ደብዳብ ነፋሪት ሂወት ኣሸሓት ከምዝበልዐን ልክዕ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን መዓልትን ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቶጎጋ ዝገበሮ ደብዳብ ዕላማን ድሌትን ናይቶም ዝሓለፉ ፀላእቲ ትግራይ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያውን ተመሳሳሊ ምዃኑ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ስርዓት ሃ/ስላሰ እዉን እንተኾነ ብሓገዝ መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ዓብዪ ናይ ንግዲ ማእኸል ዕዳጋ ቀ/ወያነ ደብዳብ ነፈርቲ እንተካይዱ ዕላማኦም ብሓደ ጊዜ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከምዝቐዘፈ ኣይተ ሃይለ ተዛሪቡ።

ማዕኸን ዜና ሮይተርስ፡ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝደብደበትን ሂወት ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ከምዘጥፈአትን ፀብፂቡ።

ብርክት ዝበላ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ከም CGTN ; Daily news Egypt ; France 24ን ቢቢሲ ን ካልኦን ነቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ ሽፋን ከምዝሃባኦ ተሓቢሩ ።