ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣብዪ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዘየዳግም ስጉምቲ ንኽወስድ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን መላፍንቱን ነቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ ስዕረቶም ንምሽፍፋን ክብሉ ኣብታ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላን ብርክት ዝበሉ መንግስታዉን ዉልቀ ትካላትን ዝሓቖፈት ከተማ መቐለ ዘብፅሕዎ ደብዳብ ነፋሪት ሱቕ ኢልካ ክሕለፍ ከምዘይብሉ እቲ ማሕበር ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ ኣረመንያዊ ተግባር ወፅኢትን ናይ ንዕቐትን ፃዉዒት ዘተ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣዉሮፓ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣፍሪቃን ምዃኑ ክፍለጥ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እዉን ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ንኹሎም ፀጥታ ኣካላት፣ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኣዉሮፓን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ደዉ ንኽብልን ኣብ ልዕሊ ኣብዪን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዘየላጢ ስጉምቲ ንኽወሰድ ፀዊዑ።

“እዞም ክልተ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ መጠንቀቕታ ዓለም ከም ቀልዲ እዮም ዝርእይዎ ዘለዉ” ዝበለ መግለፂ ማተሰኣ፡ ቀንዲ ቁልፊ ሰዓት ስጉምቲ መዉሰዲ ሐዚ ምዃኑ መራሕቲ ዓለማት ተገንዚቦም ቅርቡነት ዘተ ሰላም ከመዓራርዩ ከምዝግባእ እቲ ማሕበር ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ምስቲ ሰላም ፈታዊ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንኽስለፉን ኣብ ልዕሊ እዞም ገበን ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ክልተ መራሕቲ ብሕጊ ክሕተቱ ኣብ ምግባር ፅዕንቶ ክፈጥሩ መግለፂ ማተሰኣ ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መላእ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዲያስፓራ ተጋሩ ብዘይምቁራፅ ድምፆም ከስሙዑን መንግስትን ህዝብን ከምኡ እዉን ንሰራዊት ትግራይ ክድግፉን ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

ማሕበር ማተሰኣ ኣብ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዘድሊ ኩሉ ሓገዝ ከምዝፍፅምን ዘፍለጠ ኾይኑ ቅድም ኢሉ እዉን እንተኾነ እቲ ማሕበር ኲናት ትግራይ ደዉ ንኽብል ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽባፅሑ ኢሉ እዉን ኣብ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ ዓበይቲ ዕማማት እናወገነ ዝመፀ ማሕበር እዩ።