ሰራዊት ትግራይ ከተማታት ሃይቅን ቢስቲማን ከምዝተቆፃፀረ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ገሊፁ።

ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት፡ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት ክልተ ንኸተማ ሃይቅን ቢሲቲማን ከምኡ’ውን ወታደራዊ ረብሓ ዘለዎም ሰንሰለታዊ ብራኸታት ማርየ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ምውዓሉ ሓቢሩ።

ናይዞም ቦታታት ምትሓዝ ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ርሕቐት መድፍዕ ብምእታው ንቀፃሊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጥጡሕ ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ገሊፁ።

ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ካብ 27 መስከረም ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ኣብ ዝወሰዶ ናይ ምክልኻልን ፀረ መጥቃዕትን በርቃዊ ስጉምትታትን ኣብ ኣርባዕቲኡ ግንባራት ልዕሊ 71,225 ሓይሊ ፀላኢ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበረ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ብሸነኽ ጭፍራን ወገል ጤናን ቁልፊ ወታደራዊ ቦታታት ከምዝተቆፃፀረን ብርክት ዝበለ ንብረት ፀላኢ ከምዝማረኸን ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ ግንባራት ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክገትእ ዘይከኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከካይድ ቀንዩ’ሎ። ብደብዳብ ነፈርቲ ዝድፋእ ቃልሲ ከምዘየሎን ከምዚ ዓይነት ተግባራት ናይ ኣብ መውዳቕ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ስርዓት መርኣያ ከምዝኾነ ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረጸዕዮን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።