ገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ዘሰምበዶ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣምሓራ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ።

ቅድም ክብል ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተኣዊጁ ዝፀንሐ ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ከተማ ከተማ ደብረብርሃን እውን ከምዝተኣወጀ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ከተማ ደብረብርሃን ከምዝበሎ ምስ ኣመራርሓ ጣብያን ፓሊስን ንእዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባ ኣመልኪቱ ብዝገበሮ ዘተ ሰዓት እቶ እቶ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከም ዘሕለፈ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን እታ ከተማ ሓቢሩ።

ከተማ ደብረብርሃን ርእሰ ከተማ ሰሜን ሽዋ ኮይና ካብ ኣዲስ ኣበባ ብ131 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝተደኮነት እንትትከውን እቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ሰራዊት ትግራይ ንመብዛሕቲኡ ከባብታት ደቡብ ወሎ ምቁፅፃሩ ሲዒቡ ዝተኣወጀ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማታት ወልድያ፣ ላሊበላ፣ ደሴ፣ ኮምቦልቻን ደብረታቦርን ገስጋስ ሰራዊት ትግራይ እናሓየለ እንትመፅእ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ንከተማ ጭፍራ ሓዊሱ ከተማ ሓይቅን ከባብታት ጎቦታት አምባሰልን ብምሓዝ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንምቁፅፃር ዘኽእሎ ወሰንቲ ዕርድታት ከምዝሓዘ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንሊሂቃን ኣምሓራ ከም ብተይ ዘሰራሰረ ክስተት ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ኵናት ሎሚ ናብ ኣምሓራ ሰተት ኢሉ ምስኣተወ ግን ደንጽይዎም ከም ቀርና ዝተወቐወዐት ላሕሚ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ስኢኖም ይርኣዩ።