ሕቡራት ሃገራት “ኣብ መቐለ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጎድኡ ኣረጋጊጸ’የ” ኢሉ።

ኣብ መቐለ ትማሊ ብዝተገበረ ደብዳብ ነፋሪት ኣዴታትን ቆልዑን ዝርከብዎም ንፁሃት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቖሰሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሓን ሓቅ ኣብ ኒውዮርክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ኣብዚ ሰሙን ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ከምዝደብዳበ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ ፀብፃብ ከምዝበፅሖምን ኣሜሪካ ሰላማውያን ዜጋታት ናብ ሓደጋ እንዳሳጥሐ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ከምተውግዝ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ተኹሲ ደው ኣቢሎም ዝርርብ ክጅምሩ ድማ ኣሜሪካ ደጊማ ፀዊዓ።

ብተመሳሳሊ ዜና ሴናተር ቤን ካርዲን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦምን ኣብ ትግራይ ብዝተገበሩ ደብዳባት ህፃውንቲ ከይተረፉ ግዳያት ብምዃኖም ኣዝዩ ከምዝሓዘነን ገሊፁ።

እቲ ደብዳብ ነቲ ጫፍ በፂሑ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋድዶ ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ እውን ተፃባእቲ ሓይልታት ንሰላማውያን ሰባት ሓለዋ ክገብሩን፣ ተኹሲ ደው ኣቢሎም ናብ ዘተ ክኣትው ውን ፀዊዑ።

ኣብ ከተማ መቐለ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ቦታ ደብዳብ ከምዘካየደትን በቲ ደብዳብ ልዕሊ ሰለስተ ህፃናት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ከምዝቖሰሉ፣ ብርክት ዝበሉ ኣባይትን ሆቴልን ከምዝዓነው ንሰብ ሞያ ጥዕና ተወኪሱ ከምዘረጋገፀ ሕቡራት ሃገራት ምርድኡ ዝዝከር እዩ።