ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ክላሽንን ጨና ባርዱን ዘይብሉ ግን ድማ ዕሙር ኵናት ዝካየደሉ ፖለቲካዊ መይዳ።

ማሕበራዊ ሚድያ ህይወት ከምዘቕለለ፡ ንዓለም ናብ ሓንቲ መንደር ከምዝቐየረን ንብዙሓት ምንጪ እቶት ከምዝኾነን ይግለፅ።

ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ድማ ዕላማን ድልየቶምን መፈፀሚ ይጥቀሙሉ። ታሊባን ቅድሚ ሐዚ ገይርዎ ብዘይፈልጥ ኣግባብ ናብ ደምበ ማሕበራዊ ሚድያ ምሕዋሱ ንብዙሓት ዘገረመ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ገፃት ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ንመንግስቲ ካቡል እናፅላእልኡ ን ታሊባን ክውድስዎም ጀሚሮም።

ገለ ናይ ትዊተር ጎስጓሳት ምልክት መሳልል ወይ ሃሽታግ እናገበሩ ከወዓውዕዎ ጀሚሮም። ናይ ዓረብን ኢንግሊሽን ቃላት መለዓዓልን መጎስጎስን ኮይኖም ኣገልጊሎም። ሃሽታግ ኣብ ጎኒ ታሊባን እየ ሃሽታግ መንግስቲ ካቡል ዕቡድ እዩ ዝብሉ ጎስጓሳት ክካየዱ ጀሚሮም።

ነዚ ዘስተውዐሉ ኣብቲ ሽዑ ምክትል ፕሬዝደንት ዝነበሩ ኣምሩላህ ሳሌሕ ህዝቢ ናይ ታሊባን መልእኽትታት እናረአየ ከይዘናጋዕ ክብሉ ኣጠንቂቖም። ካብዚ ሓሊፎም እውን ህዝቢ ነቶም ዜናታት ናብ ካልኦት ከይተመሓላልፉ ዝሐሸ እዩ ክብሉ ተላቢዎም።

ታሊባን ቅድሚ ሐዚ ይስዕቦ ካብ ዝነበረ ኣሰራርሓ ወፅዩ ነቲ ኲናት ካብ ሜዳ ሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክኸውን ምድላዩ ግልፂ ኮይኑ። ታሊባን ንፈለማ እዋን ብ ኣቆፃፅራ ኣውሪጳውያን 1996 ናብ ኣፍጋኒስታን እንትኣቱ ኢንተርኔት ከልኪሉ፣ ጣብያታት ቴሌቪዥን ተቐፃፂሩ፣ ካሜራታት ኣዕንዩን እዩ።

ኣብ 2005 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ግና እዚ ጉጅለ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ኢስላሚክ ኤሜሬትስ ኦፍ ታሊባን ዝኾነ ‘አል-ኢማራህን’ ኣላልዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ብ ሓሙሽተ ቋንቋታት ፅሑፋት ን ኣንበብቲ የቕርብ።
ብ ቋንቋ ኢንግሊሽ፣ ዓረብ፣ ፓሽቶ፣ ዳሪን ኡርዱን ካብ ዘቕርቦም ፅሑፋት ብተወሳኺ ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ናይ ድምፂ መልእኽቲታትን እውን የመሓላልፍ።

ኣብዚ ዌብሳይት ንዝልጠፉ ሓተታታት ፍቓድ ዝህብ ናይ ኣፍጋኒስታን ኢስላሚክ ስቴት ወሃቢ ቃል ዛቢሁላህ ሚጃሂድ ልዕሊ 317 ሽሕ ሰዓብቲ እንትህልውዎ ንዝደልዮ መልእኽቲ በዞም ሰዓብቱ ኣቢሉ ናብ ኩሉ የባፅሕ። እዚ ወሃቢ ቃል ቅድሚ ሐዚ ዝጥቀመሉ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ እንተተዓፀዎ እውን እቲ ቃልሲ ግና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ዘሎ ኢሉ ብምእማን ብተደጋጋሚ ሓዱሽ ገፅ ከፊቱ እዩ።

ቃሪ ሳዒድ ኾስቲ ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ጉጅለ ዝቆፃፀር ውልቀሰብ ብወገኑ፡

“ፀላእትና፣ ቴሌቪዥን፣ ራድዮ፣ ዕላዊ ገፃት መርበብ ሓበሬታ ኣለዎም። እንተኾነ ንሕና ትዊተርን ፌስቡክን ሒዝና ስዒርናዮም።” ክብል ተዛሪቡ። ከም ኣገላልፃ ቃሪ ርዕዮተ ዓለም ታሊባን ዝቕበል ኩሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክነጥፍ ብምግባር ኢና ድልየትና ኣሳኺዕና ይብል።

ብተወሳኺ ድማ ይብል ቃሪ ኢስላሚክ ኤሜሬትስ ኦፍ አፍጋኒስታን ን ኣባላቱ በቢወርሑ 11.5 ዶላር ዘውፅእ ዳታ ይዕድግ። ኩሉ ኣባል ድማ ን ዕላማን ሓሳብን ታሊባን ዘጋውሕ ፅሑፋት ክፅሕፍ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ጉጅለ ን ግልጋሎት ኢንተርኔት ዝጥቀሙሉ ዳታ ካብ ምዕዳግ ብተወሳኺ 4 ብኩሉ መዳይ ዝተማልኡ ምስልን ድምፅን ዝፈርየሎም ስቱድዮታት እውን ኣለውዎ።

እዚ ስቱድዮ ኮነ እቶም ዳታ ዝዕደገሎም ኣባላት ስርሖም ንተዋጋእቲ ታሊባን ምውዳስን ምጅጋንን እንትኾን ነቶም ፀላእቲ ዝብልዎም ድማ ክፅልኡን ክፍንፍኑን ምግባር እዩ።

ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ፅሑፋትን ኣብ ዩቱዩብን ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ጉጅለን ይርከቡ። እንተኾነ ፌስቡክ ነዚ ጉጅለ “ሓደገኛ ጉጅለ” ኢሉ ስለዝበየኖ ነቶም ፅሑፋትን ምስልታትን እናሰዓበ የጥፍእ። ነዚ ተግባር እውን ከምዝቕፅለሉ ይገልፅ።

ቃሪ ብወገኑ ፌስቡክ ፅሑፋትናን እንልጥፎም ምስልታትን እናጥፍአ ተፀጊምና ኢና። ድሕሪ ሐዚ ሙሉእ ሓይልና ናብ ትዊተር ብምግባር ክንቃለስ ኢና። ደጊም እቲ ኲናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ክብርትዕ ክብል ገሊፁ።

እዚ ኣኽራሪ ጉጅለ ምምሃር ደቂ ኣንስትዮ ዝኽልክል፣ ደቂ ኣንስትዪ ካብ ገዛ ከይወፃን ስራሕ ከይሰርሓን መምርሒ ዘውርድ፣ ዘየኽረርቲ እስላም እዮም ንዝብሎም ዝቐፅዕ፣ ሬሳ ደቂ ሰባት ንመምሀሪ ክኸውን ብዝብል ኣብ ኣደባባይ ዝሰቅል እዩ። እንተኾነ ሎሚ ሰባት ዝበዝሕ ግዚኦምን ሓይሎምን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለዘውዕልዎ እቲ ጉጅለ ተግባራቱ ምኽንያታዊ ከምዝኾኑ ከእምን ፀኒሑ እዩ።

ናብ ኢትዮጵያ እንትንመፅእ ድማ ብ ኣንፃራውነት ብናፅነት ንምዝራብን ንምውዳብን ማሕበራዊ ሚድያ ዕድል እንተፈጠረ እውን ንገበናትን ንጎንፅን እውን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ልክዕ ከምካልኦት ዓድታት ሰባት ዝዛተዩሉ፣ ዓለም ብቐሊሉ ዝራኸበሉን ሓበሬታ ዝለዋወጡሉን ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 35.4 ሚሊየን ተጠቀምቲ ሞባይል ክአምዝለዉን ካብዚኣቶም እቶም ፍርቂ ድማ ናይ ሞባይል ዳታ ተጠቀምቲ እዮም። ብሓፈሻ ካብ 108 ሚልዮን ህዝቢ እቲ 19.2 ሚልዮን ኢንተርኔት ይጥቀም። እቲ ኣበርቲዑ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቀም ድማ ካብ 25- 34 ናይ ዕድመ ክሊ ዘሎ እዩ።

ካብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ጀሚሩ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ መቃለሲ መንገዲ ኮይኑ ኣገልጊሉ። #Oromo protest, #Amhara protest ዝብሉ መልዓዓልቲ ቃላት ብምጥቃም ምንቅስቓሳት ተጀሚሮም። እንተኾነ እዞም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓሳት ማሕበራዊ ሚድያ ከም መቃለሲን ሓሳብ መውሃቢን ባይታ እንተይኮነስ መተኣኻኸብን መዋፈርን ጥራይ ገይሮም ዝንቀሳቐሱ እዪም።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጀመረ ቃልሲ ናብ መሬት ወሪዱ መሰረተ ልምዓታት ምዕናው፣ ሰባት ብ ጉጅለ ተኣኪቢኻ ምቕታል፣ መንገዲ ምዕፃውን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓታት ናብ ምብፃሕን ዝወርድ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሰብ እንትቕተል፣ ሬሳ ንቑልቑል ኣፉ ተደፊኡ ኣብ ኣደባባይ እንትዝርጋሕ፣ ፋብሪካታትን ቤት ትምህርታትን እንትቃፀሉን እንትዓንዉን ዘርእዩ ምስልታት ብምልጣፍ ግልጋሎት ማሕበራዊ ሚድያ ን ክፉእ ነገር ተጠቒሞሙሉ።

ብዙሓት ተንተንቲ፡ ኢትዮጵያውያን ገና ሓሳብኻ ብናፅነት ናይ ምግላፅ፣ ዝተፈለየ ሓሳብ ናይ ምኽባር፣ ብዘተ ናይ ምእማንን ጥቕሚ ሚድያን ከይተረድኡ ብስልኮም ብዘይ ናይዝኾነ ሰብ ፍቓድ ዝጥቀሙሉ ዕድል ምስረኸቡ ነቲ ዕድል ከመይ ከምዝቀሙሉ ኣይፈለጡን። ጎንፂ ንምልዕዓልን ንምቅታል ከምዝተጠቐሙሉ እውን የብርሁ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ስዒቡ ብዙሓት ቃልሲ ማሕበረዊ ሚድያ እዩ “ለውጢ” ኣምፂኡ ክብሉ ተሰሚዖም። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመፀአ ብቐዳምነት ዝገበሮ ነገር እንትርሃለወ መቐፀልታ ናይቲ ንዓመታት ዝተነደቐ ፅልኢት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንምጉህሃር ሚድያታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ምሓዝ ከም ስልቲ ተጠቒሙ።

ሓደ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ምስመፀ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡

“ሚድያ ዓፂኻ ኣነ ጥራይ ኣርሓ ክኾን ዝበሃለሉ እዋን ሓሊፉ እዩ” ክብል እንተተዛረበ እውን ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ግና ቁሩብ ሕቶታታት ከልዕላ ዝጀመራን ነቲ ብናቱ ምምሕዳር ዝወፀ ሕግታት ኣየኽበራን ዝትብሃላ ሚድያታይ ክዓፅው ጀሚሩ። እተን ዝተረፋ ድማ መንግስቲ ዝደልዮን ዝበሎን ጥራይ ዘኾምስዓ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ዘየተኣናግዳን እየን። ልክዕ ከም ጉጅለ ታሊባን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተፀሚዶም ንመንግስቲ ዘጀግኑን ኣጋኒኖም ዝስእሉን ብ ሕቶ ንዘልዕሉ ድማ ፀላእቲ ኢትዮጵያን ዘረግቲ ሰላምን ገይሮም ዝስእሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቆፂሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብዝመፅእ ጀሚሩ መፅሓፍ ቅዱስ’ውን ፍቕሪ ዝሰብኩን ዝመስሉ ዘረባታት ዝዛረብ ብምምሳል ኣብ መንጎ ግና ንሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ዘሰይጥኑን እቲ ህዝቢ ክፅላእ ዝገብሩን ዘረባታት ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ።

16 ሰነ 2010 ኣብ ኣደባባይ መስቀል ብዘዓባ ዝተፈጠረ ነታጒ ድሕሪ ደቓይቕ ናብ ሚድያ ብምቕራብ ፈፀምቱ እኒ እከለ እዮም ብምባል ኢዱ ናብ ህዝብን መራሕትን ትግራይ ኣወጣዊጡ። ቑፅራት መንግስቲ ዝኾኑ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ነዚኣ ብምንብልባል ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ን ኢትዮጵያ ብፍቕሪ ክመርሕ ንዝመፀ ፀላኢ ክቐትሉ ተንቀሳቒሶም ብምባል ብዘይ ዝኾነ ምፅራይን መረዳእታን ንሓደ ህዝቢን መራሕቱን ከሲሶም። ተወለድቲ ትግራይ ንዝኾኑ ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎም ሰባት ድማ ክሃድኑን ካልእ ጉድኣት ከስዕቡን ረኺብናዮም ብምባል ኣሲሮምዎምን ኣንገላቲዖምዎምን።

ቀዳማይን ወሳንን ምዕራፍ እቲ ቃልሲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክኸውን ዝተደለየሉ ምኽንያት ቁፁራት ኣብይ ኣሕመድ ብስሩዕ ሚድያን ብማሕበራዊ ሚድያን ኣቢሎም ህዝቢ ትግራይ ቐታሊ፣ ወራርን ፀረ ኢትዪጵያን እዩ ዝብል ጎስጓሳት ከካይዱ ፀኒሖም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓመታት ክሰምዖ ዝፀንሐ ፕሮፖጋንዳ እዞም ነጠፍትጅ ማሕበራዊ ሚድያን ሚድያታት ኢትዮጵያን ብዝነዝሕዎ ፅልኣታዊ ዘረባታት ንህዝቢ ትግራይ ከም ናይ ባዕሉ ህዝቢ ምቑፃር ገዲፉ ከም ፀላእን ቀታልን ክሪኦ ጀሚሩ።

መንግስቲ ኢትዮዕያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክፍፅሞ ዝሓሰቦ ምፅናት ዓሌት ኣፅዋርን ሰራዊትን ካብ ዓድታት እንትልቃሕ እቲ ካሊእን ዝተጠወመሉ ወሳኒ ምሳርሒ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ።
እቲ ኲናይ ተጀሚሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመቐለ ኣብ ዝኸበበሉ እዋን ኣብይ ኣሕመድ ዝቖፀሮም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነባሪ ህዝቢ መቐለ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትነፃፀር ኣዝዩ ውሑድ እዩ ኣይተካብድዎ፡ ዝተወድአ ይወዳእ ክድምሰሱ ኣለዎም። እናበሉ ክፅሕፉን ሞት ተጋሩ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክጉስጉሱን ተራእዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝፈፀሞን ይፍፅሞ ንዘሎን ፅንተት ከም መሳርሒ ኣገልጊሉ። ተጋሩ ንክፅልኡ፣ ኣብ ዝተረኸብዎ እናተሃደኑ ንክእሰሩን ንክቕተሉን ምኽንያትን መንገድን ኮይኑ። ሚድያታት እውን ኣብ ቁፅፅሩ ብምእታው ህዝቢ ሓሳብ ሓደ ወገን ጥራይ ሰሚዑ ነቲ ዝፍፅም ዘሎ ግፍዕን በደልን ምኽንያታዊ ክገብር ላሕ ኢሉ።

ከም እኒ ዳኒኤል ክብረት ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብቲ ንፖለቲካ ዘውዕልዎ ሃይማኖትን ኣሽሓት ሰዓብቲ ዘለዎም ሰባት ፈጣሪ እውን ተጋሩ ከምዝፀልእን ህዝቢ ትግራይ ካብ ሸይጣን ዝኸፍአ ህዝቢ ምዃኑን ክጉስጉሱን ብዙሓት ድማ ክቀባበልዎን ሪእና።

ኣብ ዓለም ማሕበራዊ ሚድያ ህይወት ሰባት ንምቕያር፣ ድምፂ ውፁዓት ንምዃንን ንዝትፈላለዩ ፅቡቓት ዕላማታትን ውዒሉ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጋሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ዕድል ድምፂ ህዝቦም ንምዃንን ሓበሬታ ንምልውዋጥን ይጥቀሙሉ ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ ብሚልዪናት ዝቑፀር ህዝቢ ካብ መረበቱ ንክፈናቐል፣ ብ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ንክሞት፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለ ንክዕመፃ፣ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ንጥምየት ንክቃላዕን ብዙሓት ህፃውንቲ ብሕፅረት ምግቢ ንክሞቱን ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት እዩ ተጠቒሙሉ።