ኣብ መቐለ ንሓሙሻይ ግዘ ብዝተገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 11 ሰብ ቆሲሎም!

ሎሚ 12 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ሰዓት 5:30 ኣከባቢ 11 ሰላማውያን ሰባት ዘቑሰለ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ከተማ መቐለ፣ ፀግዒ ቀፅሪ እንዳየሱስ-ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተፈፂሙ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ክዓ ከተማ መቐለ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ራብዓይ መዓልቱ ዝሓዘ ኾይኑ ብበዝሒ ደብዳብ ድማ ክሳብ ሕዚ ሓሙሸት ግዘ ተፈፂሙ ኣሎ።

ብሰኑይ ኣብ ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ደብዳብ ኣብ ከባቢ መሰቦ ስሚንቶ ቁሸት ሓሬናን ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቅን ብድምር አርባዕተ ሰላማውያን ሰባትን ብዙሓት እንስሳታትን ዝተቐተሉ እንትኾኑ፣ መጠኑ ዘይተገለፀ ኣብ ግራት ዝነበረ እክሊ ገባር ተቓፂሉ፣ ገዛውቲ እውን ዓንዩ።

ብዝሓለፈ ረቡዕ ድማ ኣብ መስፍን ኢዳስትሪ ማእኸሉ ገይሩ ኣብ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ህፃውንትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 8 ሰባት ዝቖሰሉ እንትኾኑ፣ ብርክት ዝበሉ ውልቀ ኩባንያታትን ንብረትን እውን ዓንዮም እዮም።
ሎሚ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ድማ ልዕሊ 11 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ዝተሓበረ እንትኾን ኣብ መንጎ ኹሓን ዩንቨርሲቲ መቐለን ዘሎ ብርክት ዝበለ ምእቶት ገባር ከምዝተቓጸለ ድማ ካብቲ ቦታ ብዝተወዝዑ ምስልታት ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብተዛማዲ ዜና ረዲኤት ምግቢ ሒዛ ሎሚ ዓርቢ መቐለ ክትዓርፍ ተሓሲባ ዝነበረት ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝቐረየት ሮይተርስ ገሊፁ።

ብዘሎ ኹነታት ካብ ፍርቂ መስከረም ጀመሩ ብመዓልቲ 282 ህፁፅ ረዲኤት ምግብን ናውቲ ሕክምናን ዝጸዓና ከበድቲ መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ትፅቢት ዝግበር እኳ እንተኾነ ሕዚ ግን ዋላ ሓንቲ መኪና ክትመፅእ ኣይክኣለትን። ብኣየር ክመፅእ ተሓሲቡ ዝነበረ እውን በቲ ከም ብሓዱሽ ዝተወልዐ ደብዳብ ምኽንያት ጠጠው ክብል ተገይሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ኣምሓራ ክልል ካብ ዝሓዝዎም ቦታታት እንተዘይወፅዮም ረዲኤት ናብ ትግራይ ክሓልፍ ኣይንፈቅድን ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብይ ኣሕመድ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ከምዝሓበሮ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ኾይኑ ነይሩ። እቲ ዋና ጸሓፊ እውን ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ከምዝመለሰ ኣይተፈልጠን።