ኣስናን ዘይብሉ ሕቡራት ሃገራት ስለምንታይ’ዩ ኣብ ዕድጊት ሑፃ ተፀሚዱ ቀንዩ?

እቲ ሰማይ ከምሎሚ ኢሉ ኣይፀረየን። ድምፂ ዓረር ካብ ምጭንጫን ንእሽተይ ዕርፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ሕፍስ ዝበለ ድምፂ ዘውፅእ ሞተር መኪና እንተሰመዐ እውን ስምብድ ምባልስ ኣይተረፈን። ከምቲ ቅድሚ ዓመት እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት እንትጅመር ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ መዓልታዊ ስርሖም ዝገበርዎ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሎሚ እውን ኣብ ሃራን ጭፍራን ኣብ ዳባትን ጋሸናን እንትቕጥቀጡ ነቲ ካብ ናቑጣ ኲናት ወፃኢ ዘሎ ህዝቢ መቐለ በልማሚት ይድብድቡዎ ኣለው።

ካብ ስነ-ልቦናዊ ፀቕጢ ንእሽተይ ዕርፍ ኢሎም ዝነበሩ ህፃናት ሎሚ ከምታ ናይ መጀመርታ ኣየር እንትሪኡ እናበኸዩ ካንሸሎ ክኽፈተሎም ክንዲ ዝኽእልዎ ምኹሕዃሕ ጀሚሮም። 5 ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር እትመልእ ህፃን ኣድያም መዋእለ-ህፃናት ክትኣቱ ካብ ዘለዋ ትምኒት ኣብቲ በሪ ካንሸሎ ገዝኣ ክንዲ ዝኸኣለቶ ክትጭሕግር እያ ትውዕል። ወዮ ግዜ ሓሚቑ እምበር ኣድያም ሐዚ ኬጂ ሰለስተ እያ ክትበፅሕ ኔራ።

9 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ረፋድ ከባቢ ሰዓት 5:00 ብርሑቕ ኣየር ዝረኣየት ህፃን ኣድያም ሃንደበት ቁማጠ ዝነኸሳ ትመስል እናበኸየት ብቕፅበት ኣብ በሪ ገዝኣ በፂሓ ነቲ ካንሸሎ ትቕጥቅጦ ኣላ። ኣብ ኣፍደገ ገዝአን ኣብ ዘላ ጎፍጓፍ ፅላል ዝፈጠረት ኒም ኮፍ ኢለን ነዚ ዝዕዘባ ዝነበራ ኣዶ ጎረቤት ተጓይየን ነታ ህፃን ሓቒፈን ከረጋገዓኣ እንትፅዕራ እታ ህፃን ሓንቲ ቃል እናተዛረበት ብኽያታ ቀፀለት። ኣብ መንጎ ብኽያታ “ኣየር” ትብል ቃል እያ ትዛረብ ኔራ።

በቲ ኮነ ኢልካ ዝተፀረገ ዝመስል ፃሕ ዝበለ ሰማይ ትበርር ዝነበረት ፃዕዳ ዝሕብራ ነፋሪት እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሰብ ብትኹረት ምስተዓዘባ ሰሉስ ስለዝኾነ ናይ ሕቡራት መንግስታት እያ ትኸውን ኢሉ ነንገዝኡ ተበቲኑ። ኣጋምሸት እውን ተመሳሳሊ ሕብሪ ዘለዋ ኣየር ስለዝተመለሰት እቲ ሰብ ካብ ስግኣት ዓዲ ኣይወዓለን።

ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ካብ ኣልዓልና ኣብተን ኣብ መቐለ ዘለዋ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ሓደ ፍልይ ዝበለ ተርእዮ ክንዕዘብ ኢና ቀኒና። እተን ትካላት ሸቃሎ ኣዋፊረን ኣብ ሓያል ሃይሃይታ ምሕዋር ሑፃ እየን ቀንየን። ምኽንያቱ እንተሓተትና ኸዓ ብግልፂ ዝ ዛረብ እኳ እንተዘይረኸብና ብግድሚ ደብዳብ ስለዘጋጥም ዘሎ ንጣር ንምክልኻል እዩ ዝብል ሓሳብ ሰማዕና። ይግረምኩም እቲ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምክልኻል ኣዋጅ (the responsibility to protect) ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጥቅምቲ 24 2005 ዓ.ም ብሓፈሻዊ ጉባኤኡ ዘፅደቐ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እዩ እምበኣር ሑፃ እናተሸከመ ናብ ካንሸሎ ቢሮታቱ ክድርድር ዝውዕል ዘሎ።

እቲ ቅድሚ 16 ዓመታት ዝወፀ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ምፅናት ዘርኢን ምፅራይ ዓሌትን ከካይድ እንትሓስብ ወይ እንተካይድ ዓለም ስቕ ኢላ ክትሪኦ የብላን ሉኣላውነት ዝበሃል ትሕቲ ሰብኣዊ መሰል እዩ ዝብል ኣዋጅ እዩ ኸስ ካልኣይ ሳልሳይ ዙር ፅንተት ተጋሩ ብደብዳብ ነፈርቲ በልማሚት እንትካየድ ኣብ ትግራይ በፂሑ ወሪዱ ወሪዱ ሑፃ ናብ ምሕዋር ተኣትዩ ዘሎ።

እቲ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣዋጅ 60/1/2005 ዝወፀ ድንጋገ ዓለምለኸ ኮምሽን ጣልቃን ሉኣላውነትን ሰብኣዊ ኢድ-ኣታውነት ብክልተ መልክዑ ይፈቅድ። እቲ ሓደ ብድኽመት ግብረመልሲ ወይ ከዓ ሓንቲ ሃገር ኮነ ኢላ ህይወት ዜጋታታ ወይ ክፋል ሕብረተሰብ ብበዝሒ ዝቐጥፍ ምፅናት ዘርኢ ሓሳብ ወይ ተግባር እንተሰጉም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጣልቃ ብምእታው እዚ ምጥሓስ ሰብኣዊ ደው ዘብል ስጉምቲ ናይ ምውሳድን ነዚ ተግባር ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተለሙን ዝፈፀሙን ክሕተቱ ምስራሕ ፍትሓዊ ምዃኑ እቲ ኣዋጅ ይጠቅስ።

ብሓሳብ ወይ ብተግባር ሰፊሕ ምፅራይ ዓሌት ማለት እውን ጅምላዊ ቅትለት፣ ኣገዲድካ ምፍንቓል፣ ግብረሽበራን ፆታዊ ዓመፅን እንተተፈፂሙ እቲ ካልኣይ ኢድ-ኣታውነት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፍትሓዊ ዝገብር መለክዒ እዩ። ብመንፅር እዚ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ተግባራት ምፅናት ዘርኢ ኣብ መላእ ትግራይ እቲ ክሳብ ሐዚ ዝቐፀለ ሩባ ተከዘ ከይተረፈ ዝመስከረሉ ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ከምኡ እውን ምፍንቓል 2.2 ሚልዮን ተጋሩ እዚ መለክዒ ስለዘየማልኡ ድዩ ናብ ሑፃ ምድርዳር ተኣትዩ?


ሂወት ሄለን ነዚ መለክዒ ስለዘየማልእ ድዩ ሑፃ መውፂ ትበሃል ዘላ? ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ቡን ብምሻጥ ትመሓደር ዝነበረት ሄለን ግርማይ ብሰራዊት ኤርትራ ንሓሙሽተ ተደፊራ። ንዓዲ ግራት ከይዳ ተሓኪማ ክትምለስ ከላ መሊሶም ኣሊሾም ሒዞም ደፊሮምዋ። ብድሕሪኡ ህይወታ ንምድሓን ምስ ወዳ ንመቐለ ክትመፅእ እንትፅዕር ኣብ ኣጉላዕ ንሄለን ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ መካይን ዝነበሩ ሰባት ብምጭዋይ መርፍእ ወጊኦም ን10 መዓልትታት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብንቡርን ዘይንቡርን ክደፍርዋ ካብ ምቕናዮም ንላዕሊ “ዓይነይ እናረኣየ ወዲ 12 ዓመት ወደይ ሚልዮን መሓሪ ቀቲሎምለይ” ትብል።

ሄለን ወሲኻ “ምሳይ ኦፕራስዮን ዝኾነት ሓራስ እናደፈሩዋ እንተለው ምስሞተት ነቲ ወዲ 10 መዓልቲ ዕሸል ወዳ እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ‘ጁንታ አያድግም’ እቲ ሻዕብያ ከዓ ‘ዓጋመ ኣይዓብን እዩ’ እናበለ እቲ ሓደ ኢዱ እቲ ሓደ እግሩ እናቖራረፁ ክሳብ መጨረሻ ይሓርድዎ ኣእምሮይ ይስሕት” ብምባል ዘሕለፈቶ ኩነታት ትዝክር። የካቲት 19 ንነብሳ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል ከምዝረኸበታ ዝሓበረት ሄለን“ኣብ ኣእምሮይ እቲ ዕሸል ክቖርፅዎ ከለው እዩ ዝረኣየኒ ድቃስ ዝበሃል ኣይፈልጥን” ብምባል ዝበፅሓ ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን በሰላ ትዛረብ።

ሄለን እቶም ወተሃደራት ማህፀና ስለዘቃፀልዋ ብሓኪም ዝተኣዘዘላ መድሓኒት ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበሮ ኩለመዳይ ዕፅዋ ኣብ ፋርማሲታት ካብ ምስኣና ብተወሳኺ ሎሚ ኣብ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ርእሲ ሕማማ ጥሜት እውን ሕማም ኮይኑዋ ካብቲ ሆስፒታል ሓግዝዋ ዝብል ደብዳቤ ሒዛ እናዘረት ኢና ረኺብናያ።

እታ ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ሒዛ ሓግዙኒ ኢላ ምዛር እውን እቲ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ስለዝሰገአት ኣብቲ በረንዳ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘላ ምስታ ዓራት ዝተጣበቐት ፍርናሽ ተዓፂፋ ደቂሳ ትውዕል ኣላ። ንሄለን ሓዊሱ ልዕሊ 28 ሽሕ ዝተፀብፀበ ክሳብ ናብ ማህፀን ሚስማር ምእታው ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ህፃናትን ኣዴታትን ትግራይ ነዚ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምክልኻል ኣዋጅ ብቑዓት ስለዘይኮና ድዩ ተሞክሮ ውሰዳ ዝዓይነቱ ሑፃ እናቖለልካ ዝወዓል ዘሎ? ዝብላዕ ስኢነንስ መሊስካ ብደብዳብ ሑፃ መውፃ ክበሃላ?

መቐለ ሎሚ እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝረሰዐቶ ሬሳ ንፁሃን ምምልላስ ብሰንኪ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ተመሊሳቶ ኣላ። ሰኑይ 08 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ጣብያ መሰቦ ኣብ ሓረና ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ብዝተገበረ ደብዳብ ሰለስተ ደቂ ሓደ ቤተሰብ ህፃናት ስገኦም ተቖራሪፁ ብባኮ ክሳብ ዝእረ ግፍዕታት እንትበፅሕ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ “ሸቶ ደብዳብና ወቒዕና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ከምዚ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት እንተባጩ ዓለም ‘የተሓሳስበኒ ኣሎ’ ካብ ዝብል ልሙድ ኣገላልፃ ዝዘለለ ግብራዊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳ ሽዑንሽዑ ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ሎሚ 10 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ትካል ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ምኽንያት ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ጉድኣት ሰላማውያን ሰባትን ዕንወት ሃፍቲ ህዝብን ዝኾነ ደብዳባት ንርኢ ኣለና። በቲ ደብዳብ ዝተወቅዐ ሰራሕተኛ ትካል ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ፊልሞን ንትግራይ ቴሌቭዥን ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕተት “ሎማዓንቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ስራሕ እናሃለና በደብዳብ ነፋሪት ተወቂዕና እኔና እዚ ትግራዋይ ንምጥፋእ ዝተገበረ ደብዳብ እዩ” ብምባል ተዛሪቡ።

ነቶም በቲ ደብዳብ ዝተወቅዑ ዝቅበሉ ዝነበሩ ዶ/ር መሓመድ ጡሃ “ካብ ቀጠና ኲናት ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ሲቪል ኣብ ዝሰርሐሉ ቦታ እዩ እቲ ደብዳብ ተፈፂሙ። እዚ በሕጊ ተቀባልነት ስለዘይብሉ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምውጋድ ክሰርሑ ይግባእ” ክብሉ ገሊፆም።


ድሕሪ እቲ ደብዳብ ናብ ታክሲ እንትንኣቱ መብዛሕትኡ ሰብ ይስዕል ነይሩ። እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ደብዳብ ዝፈጠሮ ትኪ ንሰዓታት ዝፀነሐ እንትኾን ህፃናትን ሕማም መተንፈሲ ዘለዎም ሰባትን ንኸቢድ ስቓይ ዝዳረገ እዩ።

እዘን ስዒበን ዘለዋ ደቓይቕ፣ ሰዓታትን መዓልቲታትን እውን ዝሓዝናለን የብልናን። ሐዚ እውን ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ እንተዘይወሲዳ ትግራይ ካብ ወተሃደራዊ በረራ ናፃ ዝኾነት ዓዲ ምግባር እንተዘይክኢላ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ እኒሄለን ኣብ ልዕሊ ስቓየንን ጥሜተንን ክድብደባ ፈቒዳ ኣላ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝበፅሕ ጅምላዊ ደብዳብን ጨፍጫፍን ልዕሊ ንሕንሕ ኣሜሪካን ሩስያን ይዓቢ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ልዕሊ ምትህልላኽ ሃገራት ብታሪኽ ዓለም ትሕተተሉ ይኸውን ኣሎ። ዴሞክራሲያዊ ዓለማዊ ስርዓት ከዝልቓ ዝደልያ ከምኒ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ዝበላ ዓድታት ኣብ ልዕሊ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተሓታትነት ምርግጋፅ እንተዘይክኢለን ኣብ ዓለም ንፋሽሽታውነትን ምልካውነትን ኣፍልጦ ብምሃብ ዓለማዊ ስርዓት ምቕያር እዩ ውፅኢቱ።