ሲኖዶስ ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጲያ፡ ኲናት ትግራይ እንተዘይኣወጊዙ ንሲኖዶስና ኣይዉክልን ክብል ሃገረ ሰብከት ከተማ መቐለ ገሊፁ።

ሲኖዶስ ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጲያ ካብ ስርዓትን ሕግን ቅድስት ቤተክርስትያን ወፃእ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናት ኣብ ልዕሊ ዝኣወጁ ሊቃነ ጳጳሳት ኢትዮጲያ ተሓተቲ እንተዘይገይርዎም እቲ ሲኖዶስ ነኣና ኣይዉክለናን ክብል ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መቐለ ንቴሌቭዥን ትግራይ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ሃገረ ስብከት መቐለ ነቲ ብወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ መስካሕክሒ ግፍዕታት ክሳብ ደዉ ዝብል ኣብ ጎኒ ህዝቡ ጠጠዉ ከም ዝብል ኣብቲ ዘዉፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ሃገረ ስብከት መቐለ ኣብቲ በዓል 12 ቅዋም ዝሓዘ መግለፂኡ መንግስቲ ኢትዮጲያን መኻይድቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ዝፈፀሞም ሰብኣዊ ግህሰትን ዕንወትን ኢሉ እዉን ኣብ ልዕሊ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተፈፀመ ዝምታታት ዝኹንን እዩ።

ነዚ ስዒቡ እዉን ማሕበረሰብ ዓለምን ሰበስልጣናቶምን ነቲ ብዉልቀ መለኽቲ መንግስታት ኣብ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ዕፅዋ ደብዳብ ኣየርን ጥምየትን ንኸብቅዕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሐዚ ክረባረቡ ይግባእ ክብል እቲ ሃገረ ስብከት ተላብዩ።

ብተመሳሳሊ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ኣዲስኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጲያን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ ብዝበፅሖም ዘሎ መንነታዊ መጥቃዕታት ኢሉ እዉን ብረሃፆም ንዘመናት ዘፍረይዎ ሃፍቲ እንትምንጠሉን እሞ ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ግፍዕታት እናበፀሖም ሪኦም ከምዘይራኢዩ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ምስ ዘፅቀጡ ኣባላት ሲኖዶስ ኢትዮጲያ ካብቲ ስርዓትን ሕግን እቲ ሃይማኖት ዝወፀ ተግባር ብምዃኑ ንኹንን ይብል እቲ መግለፂ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብስም ሃይማኖትን ንሱ ሽፋን ብምግባርን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዓለም ሙሉእ ዝኾነኖ ተግባር ሰላም ኢዩ እናበለ ኢ ሃይማኖታዊ ስራሕቲ ምስ ዝሰርሕ ዘሎን ገበን ዘርኢ ምፅናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጀ ማሕበረ ቅዱሳን እዉን በቲ ማሕበር ዝግበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ ክብል ሃገረ ሰብከት መቐለ ኣብ መግለፂኡ ኣተሓሳሲቡ።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ከተማ መቐለ ኣቡነ ኢሳያስ ከምዝበልዎ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወርድ ዘሎ መዓት ንኸብቅዕ ምስ ሽሾ ሰራዊት ፀላእቲ ዝኳሻሕ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ብዓወት ንኽምለስን ሓይሊ ክፈጥረሉን መራሕቲ ሃይማኖትን መእመናንን ብፁሎትን ብንዋይን ንክሳተፉ ክብሉ ፀዊዖም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ነቲ ዓለም ብዓለማ ዝመስከረቶን ዝኾነነቶን ኲናት ትግራይ ኣይ ኣይፋል ህዝቢ ትግራይ ሰላም እዩ ዘሎ ኣሜሪካ ካብ ኢትዮጲያ ኢዳ ተስሕብ ብምባል ባዕላቶምን ህዝቦም ብሰለሰፍን ብመግለፅን ድምፆም እንተጋዉሑ ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ዓለም ብተግባራቶም ሓፊሩን ኣዉሪድዎምን እዩ።

ኣብ ደገን ዉሽጥን ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ድማ ነታ ከሓዲት ዝኾነት ቤተክርስትያን ጠንጢኑ ብናይ ባዕሉ ቋንቋን ስርዓተ ቅድስናን ትመሓደር ቤተክርሰትያን ብምህናፅ ዛጊድ ኣብ ደገ ዘለዉ ተጋሩ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ቤተክርስትያን ትግራይ ከምዘስርሑ ዝፍለጥ እዩ።