ዲያስፖራ ተጋሩ ሓደ ዓመት ንዘቑፀረ ወራር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዓለም ለኸ ሰልፊ ተቓዉሞ ንምግባር ምድላዋት ከምዝግበሩ ተገሊፁ።

ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 04 ሕዳር 2021 ዓ.ም.ፈ ነቲ ሓደ ዓመት ዝመልኦ ዘሎ ወራር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ዓለም ለኸ ሰልፊ ተቓዉሞ ንኽገብሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝካየዱ ተሓቢሩ።

ነቲ ን12 ኣዋርሕ ህዝቢ ትግራይ ብኹለ መዳያዊ ዕፅዋን ብኣልማሚትን እንትድብደብን እንትሳቐን ዓለም ካብ የተሓሳስበኒ ኣሎ ዝብል ቃል ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ዘይምዉሳዳ ንተጋሩ ኣዝዩ ዘቖጠዐ ተግባር ኮይኑ ኣሎ።

ኮይኑ ግና ሐዚ እዉን እንተኾነ እቲ ህዝቢ ኣፍደገ ክሳብ ዝረክብ እቲ እንኮ መማረፂ ድምፂ ምዃን ብምዃኑ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ግዝኣት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኢንግሊዝን ዓባይ ቢሪጣንያን ካልኦትን ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ተመሰሳሊ ዕለት 04 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዓለም ለኸ ሰልፊ ከምዘካይዱ ተገሊፁ።

ነዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ብዝበለፀን ኩሉ ዲያስፖራ ትግራይ ናይ ዉልቀ ዋኒኑ ሓዲጉ ዝሳተፈሉን ዕዉትን ሰልፊ ንክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ዛጊድ ነቲ ኣብቲ ዕለት ዝግበር ዓለም ለኸ ሰልፊ ተቓዉሞ ዝተፈላለዩ መፋለጢታትን መፀዋዕታታትን እናተጋዉሑ እዮም ብምዃኑ እዉን ኩሉ ኣብ ዘፃኢ ዓዲ ዝነብር ትግራዋይ ዝሳተፈሉ ታሪኻዊ መድረኽ ከምዝኾነ ይእመን።