ትካል ኩባንያ ፌስቡክ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ እንዳጋደደ ምዃኑ እናፈለጠ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰደን ተባሂሉ።

ትካል ኩባንያ ፌስቡክ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ቅልውላው ኢትዮጵያ እናገደደ ምዃኑ እናፈለጠ ዝኾነ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ንባይቶ መምርሒ ሕጊ ኣሜሪካ ከምዝቐረበ ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ትካል ንቅልውላው ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾና ሃገራት ሰሪዕዎ ዋላ እኳ እንተፀንሐ ነዚ ዘህድእ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይወሰደ ተገሊፁ።

ኮይኑ ግና ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ንጎንፂ መጋደዲ ይኸውን ከምዘሎ ንዘቕረብዎ ጥቆማ ግን በቲ ትካል ምላሽ ከምዘይተውሃቦ ናብቲ ባይቶ ካብ ዝቐረበ ምሽጥራዊ ሰነድ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ሲኤንኤን ኣቃሊዑ።

ብፍሉይ ትሕዝቶ እቶም ሰነዳት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ኲናት ዘጋድዱ ዘረባታት ፅልኢ፣ ጎንፅን ንምስባኽን ንምፍናውን ብመንገዲ ፌስቡክ ከምዝተጠቐሙ ዝገልፅ ከምዝኾነ እቲ ማዕኸን ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሰበስልጣንን አክቲቪስታትን ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ንምልዕዓል መደረታት ፅልኢ ሰቢኾምን ክሰብኩን ተራእዮም እዮም።