ብሰንኪ ኩለመዳይ ዕጽዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 63 ሽሕ ህጻዉንቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝን ምቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ይኸይድ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ሰሙናዊ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ኣብ መዓልቲ 100 ናይ ጽዕነት መኪና ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ዝጥለብ ዋላ እንተኾነ ካብ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ትሕቲ ጠለብ 215 ጥራሕ ሓገዝ ዝኣተወ እንተኸውን ብድሕሪኡ ግን ክሳብ ሐዚ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወ ኣፍሊጡ።

ከም ውጽኢት ድማ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ድማ ልዕሊ 63 ሽሕ ህፃናት ብሰንኪ ሕጽረት ሰብኣዊ ሓገዝ ይሳቐዩ ዘለው ኮይኖም ጥኑሳትን ሓራሳትን እውን ብፉልይ ግዳይ እዚ ዕጽዋ ከምዝኮኑ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ካብ ሓምለ 22 ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ነዳዲን መድሓኒትን ከይኣትው ዝገበረ እንትኸውን 14 ታንከር ነዳዲ ኣብ ዓፋር ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ተዓጊቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስርሐን ከምዘቋረጻ ዝተገለጸ ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣግባቡ ምብጻሕ ከመዘይተከኣለ ኣብሪሁ።

ከምኡ እውን ናይ ጥዕና ትካላት ኣብ ከቢድ ሕጽረት መድሓኒት ከምዝርከባ ዘፍለጠ እንትኸውን መድሓኒት ዘድልዮም ተሓከምቲ ኣብ ጸገምን ሕማምን ተሳጢሖም ከምዘለው ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ተከታታሊ ደብዳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ይፍጽም ከምዘሎ ዘፍልጠ እንትኸውን እቶም ደብዳባት ብፍሉይ ኣብ ሰላማዊ ሰባትን ትካላትን ዘነጻጸሩ ከምዝኮነ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ሓሙሽተ ሰላማዊያን ሰባት ዝሞቱ እንትኸውን 30 ድማ ከምዝቆሰሉ ኣብሪሁ።

እንተኮነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ዘንበሮ ግልጺ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝን ደብዳብ ነፈርትን ብዝምልከት እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ የሻቅለና እዩ ዝብል ቃላትን ጻዊዒት ናብ ተግባር ዝሸረፈ ስጉምቲ ኣይወሰደን ዝበል እንትኸውን እዚ ገበን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዕገትን ዘቋርጽን ማሕበረሰብ ዓለም ጥንኩር ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከሎ ከምዝኮነ ኣተሓሳሲቡ።