ሓጋዚት ቤት ጽሕፈት ግብረ – ሰናይ ዩኤስኤይድ ሳራ ቻርለስ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ናብ ትግራይ ክተምርሕ ከምዘይከኣለት ኣፍሊጣ።

ሳራ ቻርለስ ኣብ ቲዊተር ገጻ ኣብ ዝጠቀዐቶ መልእክቲ ናብ መቐለ ኣምሪሓ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብኣካል ንምዕዛብን ስራሕቲ ዩኤስኤይድ ንምርኣይን ተሊመ እንተነበርኹ ዋላ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ግን ክኸይድ ኣይኸኣልኩን ክትብል ገሊፃ።

ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓነት ነፋሪት ፕራግራም ምግቢ ዓለም እውን ኣብ መቐለ ክትዓረፍ ኣብ ዝበለትሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሰንኪ ዘካየደ ደብዳብ ካብ መቐለ ክትምለስ ከምዝተገደደት ዝሓበረት ሳራ ቻርለስ እቲ ተግባር ፍጹም ተቀባልነት ከምዘይብሉን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓለዋ ክግበረሎሙን ሓገዝ ናብ ዘድልዩ ከባቢ ክንቀሳቀሱ ክፍቀደሎሙን ከምዝግባእ ሓቢራ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዝሰርጉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምርኻብ ዕድል ከምዝረኸበትን ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ፣ መድሓኒትን መስረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከምዘየለ ሓቢሮሙለይ ዝበለት እንትኸውን ዝከኣሎም ኩሉ ዋላ እንተሰርሑ ዝበጽሖም ዘሎ ማሕለካታት ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናዓበዩ ይኸዱ ከምዘለው ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘነበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣጥሚካ ናይ ምብርካክ ስልቲን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተደጋጋሚ ጸገማትን ዓቀፍቀፋትን እናፈጠረ ዝርኸብ እንትኸውን ዝተፈላለዩ ትካካት ሰብኣዊ ሓገዝን ንሰራሕተኛታቶምን ካብ ኢትዮጲያ ከምዝሰጎጎም ይፍለጥ።