ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከእትው ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣመልኪቱ ምስ ስኤን ኤን ጻኒሒት ዝገበረ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ባስለይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብ ስራሕ ቅልውላውን ጥምየት ከምዝኮነ ዝተዛረበ እንትኸውን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከእትው ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዝተወሰነ ውሑድ ክፋል እቲ ሕብረሰብ ክሕግዝ ዝክእል ነገር ክህልው ይኽእል እዩ ዝተረፈ ህዝቢ ግን ምግቢ ካበይ ይረክብ ከምዘሎ ከምዘይፈልጥ ዝተዛረበ ዴቭድ ባስለይ ህዝቢ ትግራይ ከምዚ ኢሉ ሂወት ዝቅጽለሉ ኣግባብ/መገዲ ከምዘይለ ኣብሪሁ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ምንም ነዳዲን ንሰራሕተኛ ዝከፍሎ ጥረ ገንዘብ ኣብ ትግራይ ከምዘይብሉን ከእትው እውን ከምዘይከኣለ ዝተዘረበ ዴቪድ ባስለይ ምግቢን መደሓኒትን ንምክፍፋል ዝኸውን ነዳዲን ዝጸዓና 10 መካይን ኣብ ኬላ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ጠጠው ኢለን ከምዘለዋ ብጓሂ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መቐለ ስለዝተመለሰት ነፋሪት ብዝምልከት ሕቶ ዝቀረበሉ ዴቪድ ባሰለይ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ናብ መቐለ ገንዘብን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ጺዕና ከምዝተልዓለትን ኣብ መቐለ ንምዕራፍ ቁርብ ደቃይቅ እንትተርፋ ኣብ ጥቃ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተጌሩ ዓብይ “ፍንዳታ?” ተፈጢሩ። ብድሕሪ እዚ እቲ በረራ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዝተገበረ ኣብሪሁ። እዚ ተግባር ኣብ መሬት ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘየገናዘበ ግዲ ዘይብሉ ተግባር እዩ ክብል ድማ ኮኒኑ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ በረራ ተጊዛጊዙ ኮነ ኢሉ ደብዳብ ነፈርቲ ዘካየደ ምኳኑ ዝዝከር እትኸውን እታ ነፋሪት ዝተመለሰት ግን ብሰራዊት ትግራይ ከይትዓርፍ ተከልኪላ ምኳና ክዛረብ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።