ትግራይ ኣብ ቅድመን ድሕረን ኵናት እትሓልፎም ዘላ ናይ ‘ሕማማት’ ዓመታት!

ብዘዓባ ትግራይ ድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽ ካብ ምርኣይ እንመሃሮ ነገር እንተሃለወ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተተኸለ ስርዓት ትግራይ ንምጥፋእ ዓሊሙ ዝሰርሕ ምንባሩ እዩ። ምሁራት ታሪኽ እዚ ሎሚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዓሌት ናይ መጀመርታ ዘይምዃኑን ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ስርዓታት እውን ከምዝፈፀምዎን ይሕብሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ እቲ ዘይቅሉዕ ኲናት ካብ ዝጅመር ሰለስተ ዓመታት እዩ ኣቑፂሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ናብ ትግራይ ዝወስዱ ሸቐጣት ዝመሓላለፈሎም መንግድታት ተዓፅዮም፣ ሬሳ ተጋሩ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ካብ ከተማታት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ተሰዲዱ፣ ኣብ ጎንደርን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝነበሩ ተጋሩ ንብረቶም ተዘሚቱን ተቓፂሉን ጥራይ ኢዶም ናብ ትግራይ ክስደዱ ተገይሩ። እቲ ዘይቅሉዕ ኲናት ብሚድያን ብ ፅልእን ካብ ዝጅመር ፀኒሑ እዩ። ካብቶም ምድላዋት ዝተወሰኑ እንተሪእና፡

*መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ልእኽቶን ስራሕትን ዝነበሩ ወታደራት ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ትግራይ ንክኣትዉ ከዳልዎም ፀኒሑ

  • ብፌደራል መንግስቲ ዝብጀት ዝነበረ ናይ ትግራይ ዓመታዊ በጀት ሙሉእ ንሙሉእ ክቋረጽ ምግባርን ምስኡ ተተሓሒዙ ከም ሶፍትኔትን ካልኦት ብፌደራል መንግስቲ ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ኣቋሪፁ።
  • ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምጉናይ ዝተፈላለዩ ስምምዕነታት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተፈጺሞም። ብፍላይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዳን እግራን ክተእቱ ተዓዲማ። ኣብ ሳዋን ኣዲስ ኣበባን ወታደራዊ ምርኢታት ተኻይዶም።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትግራይ መረፃ እንተካይዳ ኣደታት ክበክያ እየን ህፃውንቲ ክሃልቁ እዮም ዝብል ኲናት ናይ ምእዋጅ መደረ ኣስሚዑ።
  • ኣብ ልዕሊ ክልል ሰማልያን ወለጋን ዝተገበረ እዩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክፍፀም ብምባል ትግራይ ንምጭፍጫፍ ምድላዋት ተወጊኖም
    *ዝተፈላለዩ ወፃእተኛታት ፣ ጋዜጠኛታት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ሰብ ሃፍቲን ተወከልቲ መንግስቲ ካልኦት ዓድታትን ናብ ትግራይ ከይመጽኡ ተኸልኪሎም። ተወላዲ ኖርወይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ሸትል ትሮንቮል ንምንታይ ናብ ትግራይ ትኸይድ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰዓታት ተኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር።
  • ህዝቢ ከም ህዝቢ ዘሸይጥኑን ዘፀልሙን ዘረባታት ብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ብ ናይ መንግስቲ ሚድያታትን ክንዝሑ ፀኒሖም።
  • ቀዲሞም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን መዓረ እዮም ዝብሉ ፕሮፖጋንዳታት ብምንዛሕ ንህወሓት ምጥፋእ ብዝብል ሽፋን ህዝቢ ትግራይ ንከጥፍኡ ተላዒሎም።
  • ቅድም ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ፀገማትን ገበናትን ንኩሎም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዮም ፈፂሞምዎም ብምባል ብግልፂ ሚድያታት እዚ ክፅብፅባ ተገይሩ።
  • ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምውራርን “ናይ መንነት ኮሚቴ” ዝበሃል እንታይነቱ ዘይፍለጥ ወራርን ዓምፃፅን ምንቅስቓስ ተጀሚሩ።

*ኣብ መወዳእታ ድማ ትግራይ ን 17 ዓመታት ተቓሊሳ ዘረጋገፀቶ መሰል ዓርሰ ውሳንኣ ብምጥቃም ዘካየደቶ መረፃ ” ተፈፃምነት ዘይብሉ ትተገበረ እውን ከምዘይተገበረ ዝሕሰብ እዩ ብምባል 2.7 ሚልዮን ህዝቢ ምምራፁ ከም ገበን ተቖፂሩን ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፋ ውድባት እውን ተሓተቲ ተገይረንን።

ቅሉዕ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝፀንሐ ዘይቅሉዕ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ ናብ ትግራይ ብምእታው ትካላት ንግዲ ክኸፍቱን ኣብ ትግራይ ፈሰስ ክገብሩን ጀሚሮም። ኣብ ሙሉእ ትግራይ ዝሐሸ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ክረአ ጀሚሩ።

ብፍላይ ዓይኒ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝሐሸ ምንቅስቓስ ዝግበረላ፣ ሓደሽቲ ትካላት ንግድን ማሕበራዊ ምንቅስቓስን ዝተወዓወዐላ ከተማ ኾይና። ተጋሩ መናእሰይ ንቕሓት ንምፍጣር ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ተዋፊሮም ትግራይ መንገዲ ንቕሓትን ብራኸን ክትጅምር ክፅዕሩ ጀሚሮም።

ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ቴክኖሎጂ “ትግራይ ኮዲንግ” ዝብል ኣብ ካልኣይ ብርኪ ንዘለዉ ተምሃሮ ምስ ኮዲንግ ዘላሊ ስራሕቲ፣ ትግራይ ሃይኪንግ ግሩፕ ዝብል ን ትግራይ ብመዳይ ቱሪዝም ዘላሊ ምንቅስቓስ፣ ይኾኖ ዝብል ኣብ መዓርነት ፆታን ማሕበረሰባዊ ድሕረታት ዝቃለስ ምንቅስቓስ፣ ዋላኳ ዕላዊ ማሕበር ኣይኹን ወያነ ምግቢ ዝተብሃለ ትግራይ ብመዳይ ኣመጋግባ ወያነ ከምዘድልያ ዝጉስጉስ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓስ፣ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝምራሕ ግን ድማ ኩሉ ትግራዋይ ብመዓረ ዝዓሰለሉ ቤት ትምህርትታት ንምህናፅ ዝግበር ወፈያን ጎስጓስን ከምኡ እውን ካልኦት ናይ ምትሕግጋዝን ትግራይ ናይ ምዕባይን ምንቅስቓሳት ነይሮም።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ብምዕዳም፣ ካብ ሶማልያ ሰራዊት ብምልቃሕ፣ ካብ ሃገራት ዓረብ ገንዘባዊ ልቓሕን ናይ ድሮን ሓገዛትን ብምትእኽኻብ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዓሚ ጥቅምቲ 24 ቅሉዕ ኲናት ጀሚሩ።

እዚ ኲናት ሚልዮናት ካብ ቤቶምን ንብረቶምን ክፈናቐሉ ዝገበረ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብ ጉጅለ ክዕመፃ ምኽንያት ዝኾነ፣ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ዘዕነወ፣ ህፃናት ትግራይ ንሞት፣ ጥምየትን ስደትን ዘሳጥሐን ብ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ድማ ብዘይ ወለዲ ዘትረፈን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክፀንት ዝዓለመን እዩ። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ከይቃለሰን ድሕሪ ዓወት ድማ ዓዲ ከይሃንፅን ክጠፍእ ተወሲኑሉ።

ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላልያ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ተጋሩ ዘካየድዎ ጨፍጫፋትን ገበናት ኲናትን ብሚድያታት እንተይተረፈ ብ ቪድዮ ዝተሓገዙ መረዳእታታት ክወፁ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወፀን ንብዙሓት ዘደንገፀን ተንቀሳቃሲ ምስሊ: ወታደራት ኢትዮጵያ ኮፍ ንዝበሉ ዘይተዓጠቑ መናእሰይ ከቢቦም እንተበሳብሱን ፀኒሖም ድማ እናቐተሉ ናብ ገደል እንትድርብይዎምን ይረአ።
ቢቢሲ ኣይ (BBC Eye) ኣብ ዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጅምላዊ ቕትለት ብወታደራት ኢትዮጵያ ከምዝተፈፀመን ኣበይ ቦታ ከም ዝተፈፀመን ዘረጋግፅ መርትዖ ረኺበ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ቕትለት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ጥቃ ማህበረ ዴጎ እትብሃል ከተማ ከምዝተፈፀመ ቢቢሲ ዘረጋገፀ እንትኾን ንነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቲቱ ኣብ ዝረኸቦ ምላሽ ድማ ብዙሓት መናእሰይ ካብቲ ከባቢ ብወታደራት ኢትዮጵያ ከምዝተወሰዱን ብድሕሪኡ ግን ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠን ይገልፅ።

እንተኾነ እዞም ከምዚ ዓይነት ጨፍጫፋት እውን ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩን ክምርመሩን እናተገብአ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግናሕ ትካል ኣካል እቲ ምርመራ ክኸውን ተገይሩ እዩ።
ኣብቲ ቕትለት መናእሰይ ዘርኢ ቪድዮ: እቶም ወታደራት ነኒ ባዕሎም ብ ቋንቋ ኣምሓርኛ እንትዛረቡን ብስቓይ እቶም መናእሰይ እንትቕልዱን እንትስሕቑን ይረአ። እዚ ደቂ ኣንስትዮ እንትዕምፁ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ደው ኢሎም እንትቕልዱን ኣብ ቀረባ ከም ዝራእናዮ ድማ ሰብ ኣገዲሞም እንትሓርዱን ዘርእይዎ ጭካነ ዝተመልኦ ባህሪ እዩ።

ኣብቲ ናይ ማሕበረ ዴጎ ቪድዮ ካብቶም ወታደራት ሓደ “ነዚኣቶምስ ላምባ ገይርኻ ምቅፃሎም” እንትብል ካሊእ ወታደር ድማ “እወ ላምባ የለን እምበር ነዚኣቶም ከም ሬሳ ህንዳውያን ብላምባ ምቅፃል ጽቡቕ ነይሩ።” ክብሉ ይስምዑ። እዚ ይምኒቶምን ድልየቶምን ትምኒት ጥራይ ኮይኑ ኣይተረፈን። ኣብ ቀረባ እዋን ወታደራት ኢትዮጵያ ንፁሃት ተጋሩ ቐቲሎም ብ ሓዊ እንተቃፅልዎምን “ዝገርም ስጋ” እናበሉ እንትሕጭጩን ሪእና።

ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብጨፍጫፍ ንፁሃት ዜጋታት ክኽሰሱ ፀኒሖም እዮም። ብፍላይ ድሕሪ ለካቲት ኣብ ብዝተካየደ ምርመራዊ ምፅራይ ኣብ ተምቤን ጥራይ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ሓደ ከባቢ 182 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር እቲ ከባቢ ምግላፆም ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ ለካቲት ኣብ ትግራይ ኣብ ጎቦታት ጃውማሮ ዝነበረ ደበዳባት ደው ምስ በለ ነበርቲ ተምቤን ዓብይ ዓዲ ንቁሩብ ግዜ ኣዕሪፎም ነይሮም።

እንተኾነ 2 ለካቲት ዘጋጠመ ነገር ግን ዘሕዝን እዩ ነይሩ። ወታደራት ኢትዮጵያን ኤሪትራን ኣብ ተምቤንን ከባቢኣን ፈሲሶም ገዛ ንገዛ እናኣተዉ 182 ሰላማውያን ሰባት ቐቲሎም። 18 ዝኾኑ መሰኻኽር እቲ ከባቢ ን ዘ ቴሌ ግራፍ ከም ዝሓበርዎ እቶም ወታደራት ኣብ ገዝኦም ንዝነበሩ ዘይተዓጥቑ ሲቪላት እናጎተቱ ብምውፃእ ረሺኖም።
ምስ ካልኦት ምናእሰይ ብምዃን ህይወቱ ንምድሓን ናብ ጎቦታት ከይዱ ተሓቢኡ ዝነበረ ወዲ 26 ዓመት ተስፋይ ገብረመድሂን፡ ዝረአዮ ነገር መስካሕክሒ ምዃኑ ገሊፁ ነይሩ።

“ዝተቖራረፁ ኣካላት፣ ፍርቂ ሰብነቶም ብ ኣኽላብ ዝተበልዐ ሬሳታት ርእየ እየ። እቶም ወታደራት ዝኾነ ሰብ ናብቲ ሬሳ ዘለዎ ከባቢ ከይቐርብን እቲ ነባሪ ሬሳ ቤተ ሰቡ ከየልዕልን ኣጥንቂቖም እዮም።” ክብል ገሊፁ።
ፀኒሑ ግን ብ ጨና እቲ ሬሳታት ክርበሹ ስለዝጀመሩ ሓመድ ክደፍንዎም ተገዲዶም።

ካብቲ ጨፍጫፍ ብ ህይወት ካብ ዝተረፉ ግዳያት ጓል 5 ዓመት መርሃዊት ወልደገብሪኤል ሓንቲ ነይራ። ኣብ እግራ እያ ተወቒዓ። ኣኩኣ ኣብርሃ ዘነበ ድማ ካብቲ ናብኣ ዝትኮስ ዝነበረ ጥይት ከድሕና ክብል ህይወቱ ሓሊፉ።

መርሃዊት ኣብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ኮይና ብስልኪ ን ዘ ቴሌ ግራፍ ከምዝበለቶ፡
“እቶም ወታደራት መፅዮም ን ኣኮይን ኣቦይን ተኲሶምሎም። ኣቦይ ጎይዩ ኣምሊጡ። ንኣኮይ ግን ፈለማ ኣብ እግሩ ደሓር ድማ ኣብ ከብዱ ቶኪሶም ወቒዖምዎ። ንዓይ እውን ተኲሶም ኣብ ብርከይ ወቒዖምኒ።” ትብል።

እዚ ኲናት ናብ ደቂ 5 ዓመት ህፃውንቲ እንተይተረፈ ዝትኲሱ ሰይጣውንቲ ዝተሳተፉሉ እዩ። ካብ ሓደ ገዛ ብዙሓት መናእሰይ ብምርሻን ዓበይቲ ወለዲ ብዘይ ጠዋርን ብሓዘንን ክነብሩ ዝገበረ እዩ።

ኣብ ጨፍጫፍ ተምቤን ቁሸት ዓዲ ኣስምየን 4 ኣሕዋት ካብ ሓደ ገዛ ተረሺኖም።ገብረመድሂን ኣርኣያ ፣ ክብሮም ኣርኣያ፣ ጉዕሻየ ኣርኣያን ተስፋማርያም ኣርኣያን ዝተብሃሉ እዞም መናእሰይ ኣብ ግራት ወለዶም እዮም ነይሮም።

መሰኻኽር እቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ ድማወታደራት ኢትዮጵያ ነቶም ኣሕዋት ቶኪሶም ምስ ቀተልዎም ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ ጉድጓድ ደርብዮምዎም።ወላዲኦም ኣቶ ኣርኣያ ገብረ ተኽለ ሬሳ ደቆም ንምርካብ ሓሙሽተ መዓልትታት ወሲዱሎም።

” ንደቀይ ክወስድዎም ከለው ምስ ወደይ ኣብ ከተማ ኣቑሑ ይዕድግ ነይረ። ገዛ ምስተመለስኹ እየ መናእሰይ እቲ ከባብን ደቅይን ብ ወታደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝተወሰዱ ሰሚዐ።” ይብሉ ።
ኣቶ ኣርኣያ ንደቆም ብኽዳውንቶም ጥራይ እዮም ኣለልዮምዎም።
” ደቅኻ ምኳኖም ርግፀኛ ዲኻ? ኢሎምኒ። ርግፀኛ ምዃነይ ነጊረዮም። ከመይ ኣቢሉ ደቀይ ምፍላጥ ክኣብየኒ?” ይብሉ።
ኣብ ዓብይ ዓዲ ቁሸት ዓዲ ኣስምየን ወለድን ዓበይቲ ዓድን ተኣኪቦም
“በይዛኻትኩም ደቅና ክንቐብር ፍቐዱልና” ክብሉ ንወታደራት ኢትዮጵያ ለሚኖምዎም። ወታደራት ኢትዮጵያ ግና ሓዘን እቶም ወለዲ ከየደንገፆም ህይወት መናእሰይ ምጥፍኦም ከይተሰምዖምን እንጀራን ስዋን ሒዙኩምልና ምፁ እሞ ክትቀብሩ ክንፈቅድ ኢና ክብሉ መጠን ጭካንኦም ኣርእዮም።

15 ለካቲት ወታደራት ኢትዮጵያ ሬሳ እቶም ዝቐተልዎም መናእሰይ ዘለዉሉ ጉድጓድ ኣርእዮም። ዝተወሰኑ ወለዲ እቶም ግዳያትን ኣቕይሽትን ናብቲ ከባቢ ምስከዱ ግና ናብቲ ጉድጓድ ክፅግዑ ኣይኸኣሉን። ወለዲ ሞት ደቆም ከይኣክል ደቆም ብኸምኡ መልክዑ ክሪኡ ተገዲዶም።

እዚ ታሪኽ ታሪኽ ኩለን ከባብታት ትግራይ እዩ። እዚ ጭካነ ኣብ ኩለን ከባብታትን ቁሸታትን ትግራይ እዩ ተፈፂሙ።

እቲ ካብ ጓል 5 ዓመት ህፃን ክሳብ 89 ዝዕድሚአን ኣዶ ዝተፈፀመ ብጉጅለ ደቂ ኣንስትዪ ምዕማፅ እውን ብዙሓት ንክትሓስቦም ዘስካሕክሑ በደላት ዘስዓበ እዩ። ማሕፀን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ደጊም ትግራዋይ ከፍሪ የብሉን ብዝብል ብዝረሰነ ሓፂን ተቓፂሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ጉጅለ ዓመፃት ምስማርን ካልኦት ነገራትን ናብ ማህፀን ደቂ ኣንስትዪ ትግራይ ኣትዩ። ንስነልቦናውን ኣካላውን ስቓይ፣ ንዘይተደለየ ጥንሲን ንተመሓላለፍቲ ሕማማትን ተሳጢሐን። እዚ ሰይጣናዊ ተግባር እናቐፀለ መፅዩ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን 65 ዝዕድሚአን ዕድሚአን ሙሉእ ኣብ ፆሎትን ገዳምን ዘሕለፋ ፈላሲት ኣብ ቅድሚ ሰብ ብጉጅለ ከም ዝዓመፅወን ተዓዚብና።

ብፍላይ ሰራዊት ትግራይ ሓመድ ልሒሱ ካብ ዝተልዓለሉ ከባብታት ተምቤን ተበጊሱ ብናይ ባዕሎም ኣፅዋርን ታንክን ነቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣብፀሖ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊቱን ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ንፁህ ህዝቢ ሕነ ክፈድዩ ጀሚሮም።
ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ክአም እንስሳ ኣብ ትሽዓተ መዳጎኒ ማእኸላት ተዳጒኑ በቢ እዋኑ እናውፅኡ ይርሽንዎ ኣለዉ። ሩባ ተከዘ ደምን ሬሳን ተጋሩ ምቕባል ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ተቖፂሮም።

ስዕረቱ ህፃውንቲ ትግራይ ብምጥማይ ከከሓሕስ ርዳእታ ብመሬትን ሰማይን ከይኣቱ ተኸልኪሉ። ሐዚ ድማ በቲ ዓዲሙ ዘእተዎ ሰራዊት ኤርትራን ብናይ ባዕሉ ሰራዊትን ዘይዓነዋ መሰረተ ልምዓታት ንምዕናውን ህዝቢ ንምርዓድን ተደጋጋሚ ደብዳባት ነፈርቲ እናካየደ ይርከብ። ኣብዞም ደብዳባት ህይወት ሰለስተ ህፃውንቲ ሓዊሱ ህይወት ሰብ ጠፊኡን ሓንቲ ነብሰ ፁር እንትርከቦም ብዙሓት ድማ ጉድኣተ በፂሕዎም እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ሓደ ናይ ጥፍኣትን ፅንተትን ዓመት ሓሊፋ ናብ ዓወትን ብራኸን ኣብ እትበፅሐሉ መንገዲ ትርከብ።