ፌደራሊስት ሓይሊ ዓፋር መናእሰይ ዓፋር ኣብ ጎድኑ ክስለፍ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

“ብውልቀ መለኽቲ ኣብይን ኢሳያስን ዝምራሕ ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ኣፍ ሞት’ዩ ዝርከብ” ዝበለ ፌደራሊስት ሓይሊ ዓፋር እዞም ውልቀ መለኽቲ ብዘይረብሕ ጥቕማጥቕሚ ህዝቢ ዓፋር ብደቁ ክብደል ይገብሩ ከምዘልው ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ሰራዊቶም በቢ ድፉዑ ከምቆፅሊ ይረግፉ ከምዘለዉን ፀሓዮም ትዓርቦም ከምዘላን በቢግንባሩ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝበፅሖም ዘሎ ስዕረት ናይዚ ምስክር ዩ ኢሉ።

እቶም ብገንዘብን ጊዜያዊ ስልጣንን ተታሊሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ግፍዒ ዝፍፅሙ ዘለው ደቂ ዓፋር ናይ ኢዶም ዝረኽብሉ ጊዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ብምሕባር ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ብሚሊሻን ፍሉይ ሓይልን ተወዲቦም በቢ ድፉዑ ዓሪዶም ኣጉል መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝፀናፀኑ ዘለው ደቂ ዓፋር ካብ ምፍራስ ድፋዕ ጭፍራ ተማሂሮም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይን ፌደራሊስት ሓይሊ ዓፋርን ኢዶም ብሰላም ክህቡ እውን ፀዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንእሰይ ዓፋር ካብ ጨቆንቱን መዝመዝቱን ወፂኡ ዕድሉ ባዕሉ ንምውሳን ኣብ ጎኒ ፌደራሊስት ሓይሊ ዓፋር ንኽስለፍ፣ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ክኣቱ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ፌደራሊስት ሓይሊ ዓፋር ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመስመር ዓፋር ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክፀንት ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ብምቅዋም እዚ ንምፍሻል ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ብምዃን ክሳብ ሂወት መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉው ምዃኑ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።