ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ፡ መንእሰይ ትግራይ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተጸምቢሩ ፀላእቱ ንኽምክት ፀዊዑ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ኣሜሪካ፣ አውሮፓ፣ ሑቡራት ሃገራትን ካልኦት ሃገራትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ሰላም ከምዘይተቐበሎ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓሲምባ “ዓዴፓ” ሓቢሩ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ፣ መብራህትን መጎዓዝያን ከምኡ እውን ረዲእት ከይኣቱ ከምዝኸልከለ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ካብ ቀጠና ኲናት ወፃኢ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓድዋን ደብዳባት ነፈርቲ ምክያዱ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅም ከምዘሎን ዓዴፓ ብፅኑዕ ከምዝኹንኖን ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዘቋረፀ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ብህፁፅ ከጀምሮ፣ ረዲኤት ምግብን ሕክምናን ብህፁፅ ክኣቱን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ፖሎቲካውያን ውድባትን ሊህቃንን ትግራይ ዝቐርበሉ ፃውዒት ሰላም ክሳብ ዘይተቐበለ ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሰሊፉ ፀላእቱ ክምክት ዓዴፓ ፀዊዑ።