ሕላገት ስልጣነ ትግራይ ዝኾኑ ታሪኻውያን ሓድግታት ኣዕኒኻ ክልምልም ዝድለ ዘሎ ሃገራውነት ኢትዮጵያን ኤርትራን!

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዓንዲ ምትእስሳር ማሕበራዊ መሰረት ህዝቢ መንነት እዩ። ተማራማሪ ሳይንስ ፖለቲካ ጃፓናዊ ፍራንሲስ ፉኩያማ Contemporary Identity Politics and the Struggle for Recognition ኣብ ዝብል ብ2018 ዓ.ም ዘሐተሞ መፅሓፉ እንታይነት መንነት እንተብርህ ከም ዝስዕብ ይጠቅስ።

ዝኾነ ይኹን ብሄር ወይ ኣካል ብሄራዊ መንነት ዝኾነ ውልቀ ሰብ ብምኽንያት መንነቱ ክዋረድን ክብሪ ክስእንን ኣይፈቅድን። ወዲ ሰብ ኣብ ውልቃዊ መንነታዊ መሰረቱ ወይ ኣብ ሓባራዊ ጉጅለኣዊ መንነቱ ብኻልኦት ኣካላት ኣፍልጦ፣ ክብርን ተቐባልነትን እንትስእን ንህይወቱ ከይሰሰዐ ብመስዋእትነቱ መንነታዊ ክብሩ ንምሕላው ይቃለስ።

ቋንቋ መንነታዊ ኣምራትን መግለፅታትን ሓደ ሕብረተሰብ ኣዋዲዱ ትርጉም ሂቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሰጋግር ማዕኸን ፍልጠት እዩ። ትግራዋይ እቶም ብራኸ ስልጣነታቱ ዘንፀባርቑ ከም ሓወልቲ ኣክሱም፣ ጥንታዊ ኣብያተ መንግስቲ፣ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ገዳማት፣ ጥንታዊ መሳጊድን ካልኦት ቁሳዊ ሓድግታቱን መርኣዪታት መንፈሳዊ ምጥቀቱን ማሕበረሰባዊ ፍልጠቱን እዮም።

ትግራዋይ ካብ ስልጣነ ይሓ፣ ደኣማትን ኣኽሱምን ጀሚሩ ን5 ሽሕ ዓመታት ዝዘለቐ መንነታዊ ሓድነትን ምስረታ ሃገራዊነትን ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብታሪኽ ምስ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝተፋለጥናሉ ትግራዋይ ስልጣነን ሃገራውነትን መንነታዊ ሓድነት ንዘይፈልጡ ካልኦት ህዝብታት ክነረድእ ዝኸድናዮም ኩሎም ስድርታት ኣብ ክንዲ ሞሳ ክሕደት እናገጠመና ክሳብ ሎሚ ኣብ ዕንክሊል ኣለና።

ልፍንታዊ ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዝኣወጅዎ ኲናት መስኖን መሳርዕን፣ ህድሞን ሰቐላን፣ ዕትሮን ጀሪካንን፣ ኬላ ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን እንተዕንው እቲ ቀንዲ ዕላመኦም ተጋሩ በቲ ዝበፀሐና ስነ-ልቦናዊ ሚዛን ዝፈታተን ግፍዕታት ክንምብርከኽን መንነትና ክንፍንፍንን ካብዘለዎም ድሌት ዝብገስ እዩ።

ነዚ መርኣዪ ዝኾነና ኣብ መላእ ትግራይ ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርሑሉ ምዝማትን ምዕናውን ጥንታውያን ቁሳዊ ሓድግታት እዩ። ትግራይ ወናኒት ኩሎም ጥንታውያን እምነታት ኢትዮጵያ ብምዃና እዞም ወረርቲ ትግራይ እናሃለወት ስልጣነ፣ ሃይማኖታዊ ስርዓትን ሃገራውነትን ቀሪፅና ኢሎም ክዕበዩ ኣይኽእሉን።

ስለዚ እንተኽኢሎም ከምኒ እቲ ዳኒኤል ክብረት ዝበልዎ ኣብ ልዕሊ መቓብር ተጋሩ ክዕንድሩ እንተዘይኮይኑሎም ድማ ንትግራዋይ መንነቱ ዘይግደስ ልዙብ ብዘይመሪሕነት ዝተረፈ ዘዝመፀ ዝፃወተሉ ህዝቢ ክኸውን ዓሊሞም እዮም ወፊሮም። በዚ እውን ኣብ ሓድግታትን ስርዓተ ክብርን ትግራይ ከቢድ በሰላ ኣዕሪፎም እዮም።

ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ በዓል ሞያ ስነ ጥንቲ ኣይተ ጉዕሽ ፀሃየ “ኣብቶም እምነታት ኦርቶዶክስ፣ ካቶሊክን እስልምናን ኣብ ኢትዮጵያ እግሪ ክተኽሉ ዝገበሩ ደብረዳሞ፣ ካቴድራል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራትን መስጊድ ነጋሽን ንምዕናው ወረርቲ ዝኸድዎ ርሕቐት ኣብ ልዕሊ መንነት ትግራዋይነት ዘቕነዐ ወራር ምዃኑ ዘረድእ እዩ” ይብል።

ስርዓተ ምንኩስና ዝተጀመረሉን ካብ 5ይ ክፍለዘመን ጀሚሩ ኣብ ምስፍሕፋሕ እምነት ክርስትና ዘይትካእ እጃም ዘበርከተ ገዳም ደብረዳሞ ብሰራዊት ኤርትራ 28 ግዜ ብከቢድ ብረት ከምዝተደብደበ ዳህሳስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ የረድእ።

በዓልሞያ ስነ-ጥንቲ እቲ ቢሮ ኣይተ ጉዕሽ ፀሃየ 3 ጥሪ 2013 ዓ.ም “28 መዳፍዕ እዮም ተወርዊሮም ናብቲ ገዳም። ካብዚኣቶም እቶም 10 ኣብቲ ግድሚ እቶም 18 ድማ ኣብቲ ዋና ቅርሲ ዘለዎ ቦታ ኣብቲ ዝባን እዮም ዓሊቦም” ኢሉ።

ብብርኪ ዓለም ካብ ዝፍለጡ ውሑዳት ብኣእዋም ኣዕምደ ገመል ዝተሰርሑ ብዩኔስኮ ፍሉይ ሓለዋን ክንክንን ክግበረሎም ይግባእ ካብ ዝተብሃሉ ፍሉይ ቅዲ ስነ ህንፃ ዝወነኑ ሓድግታት ሓደ ዝኾነ ገዳም ደብረዳሞ ናብ ዝባን እቲ ገዳም ዝተተኮሱ ከበድቲ ብረት ኣብ ልዕሊ ጥንታዊ ቅዲታት ኪነ-ህንፃ እቲ ገዳም ጉድኣት ኣብፂሖም እዮም።

ኣይተ ጉዕሽ ፀሃየ ወሲኹ “ሓደ ኣቦ ኣብ ውሽጢ መንበሪኦም እናፀለዩ እናሃለው ተቐቲሎም። ልዕሊ 10 ዝኾኑ ጥንታዊ ኪነ-ህንፃ ዝሓዙ መንበሪ መነኮሳት በቲ ከቢድ ብረት ዓንዮም እዮም” ዝብል ሰሳብ ኣስዒቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ገዳም ዝርከቡ ማይ ባሕራ ተባሂሎም ዝፍለጡ ብቅርፂ ሓወልቲ ኣኽሱም ካብ ዝተሰርሑ ማይ ዝዓቑረሎም ሸውዓተ ጎዳጉዲ እቶም ክልተ ብከቢድ ብረት ተወቒዖም። ካብ ኣኻውሕ ዝተፈልፈሉ ስለዝነበሩ እቲ ከቢድ ብረት እንትዓርፎም ሓደጋታት ምንቃዕን ምፍርፋርን ከምዝበፀሖም ዝገለፁ ኣይተ ጉዕሽ “ማይ ጥምቀት እንብሎ ጉድጓድን እቲ ማይ ቀጣን ዝበሃልን መድፍዕ ዓሊብዎም ማህሰይቲ በፂሕዎም ኣሎ በቲ ከቢድ ብረት” ብምባል ይገልጽ።

ኣብ ኪነ-ህንፃን ኣዕምድን እቲ ዋና ገዳም “እቲ ዝነበረ ናይ ምንቕናቕ ኩነታት እንታይ ዓይነት ጉድኣት ኣብፂሑ ዝብል ተወሳኺ ጥልቕ ዝበለ ሳይንሳዊ ምርምር” ከምዘድልዮ ዝሓበረ ኣይተ ጉዕሽ ፀሃየ፡ ሰሓባይ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖታዊ ጥንታውነትን ዘተኣሳሰረ ገዳም ደብረዳሞ “ሕላገት ስልጣነ ቀርኒ ኣፍሪካን ዓለምን ኣጠቓሊሉ ዝሓዘ ገዳም ብምዃኑ ነቶም ከቢድ ብረት ዝተኮሱሉ ሰራዊት ኤርትራ እውን ታሪኾም እዩ፤ እቲ ገዳም ኮነ ተባሂሉ ታሪኽ ትግራይ ንምህሳስ” ብተደጋጋሚ ተኹሲታት ከቢድ ብረት ከምዝተወቕዐ ተዛሪቡ።

ንጉስ ኣርማህ ፈላሞት ሰዓብቲ እምነት እስልምና ብምትእንጋድ ሃይማኖት ናይ ውልቀ ሃገር ናይ ሓባር ዝብል ኣምር ዴሞክራሲያውነት ብምትግባር መርኣያ ሃይማኖታዊ ምክእኣልን ምኽባር ሓሳባዊ ፍልልይን ተጋሩ ዝኾነ ጥንታዊ መስጊድ ነጋሽ እውን ብልፍንታዊ ወረርቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸቢድ ዓንዩ።

ካብ ኣፍሪካ ፈላማይ መስጊድ ነጋሽ ኣብ 615 ዓ.ም ካልኣይ ሄጅራ ዝተኻየደሉ ኣብ ምስፍሕፋሕ እምነት እስልምና ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ጥንታዊ ማእኸል እምነት እስልምና ኣፍሪካውያን እዩ። “ኣብ ማዕርነት እምነታት ዝተደረኸ መነባብሮ ከዲሕን ነጋሽን ነቲ ሐዚ ፍልልይ መንግስትን እምነትን ከምኡ እውን ዴሞክራሲ ኢልና ንፅወዖ ኣምራት መርኣያ እዩ” ዝበለ ኣይተ ጉዕሽ ፀሃየ ነዚ ታሪኻውነት ንምህሳስ ወረርቲ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ መስጊድ ከምዘዕነውዎ ጠቒሱ።

ኣብ 7ይ ክፍለዘመን ዝተመስረተ መስጊድ ነጋሽ መቓብር ፈላሞት ናብ ትግራይ ዝመፁ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ማለት እውን መቓብር ኣስሓባ ዝርከበሉ መስጊድ ብምዃኑ ኣብ እስልምና ኣፍሪካ ልዑል ሃይማኖታዊ ክብሪ ዝወሃቦ ቅዱስ ቦታ እዩ።

ብ16 ሕዳር 2013 ዓ.ም ግእዝ “እቲ ጥንታዊ መስጊድ ኣብ ጫፉ ቁባ ወይ ደሪሕ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ላዕለዋይ ክፋል እቲ መስጊድ ብኣንፈት ተካ ተስፋይ ብዝመፀ ከቢድ ብረት ተወቒዑ እዩ ፈሪሱ ዘሎ” ብምባል ዝበፅሖ ዕንወት ኣይተ ጉዕሽ ይሕብር።

እቲ ፍራስ ናብ መቓብር ኣስሓባ ብምውዳቑ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥንታዊ መቓብር ብምውዳቑ ጉድኣት ከምዘብፀሐሉ ዝገልፅ ሰነድ ዳህሳስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ስእልታት መንደቕን ምንፃፋትን እቲ መስጊድ ብሰራዊት ኤርትራ ከምዝተወሰደ የብርህ።

“እቲ ሓዱሽ መስጊድ ከዓ ኣብ ጫፉ ኮይኑ ሚናራ ኣብ ዝበሃል ናይቲ መስጊድ ክፋል እዩ ተወቒዑ። እቲ ብመንግስቲ ቱርኪ ዝስራሕ ዝነበረ ኣዳራሹን ክፍሊ መቑረፂ መጎብነይ ካርድን እውን ተወቒዑ” ክብል ኣይተ ጉዕሽ ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ እቲ መስጊድ ማዕፆታቱ፣ መሳኹቱን ካልኦት ንዋቱን ኮነ ተባሂሉ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ዓንዮም።

እዚ ከይኣክል ብ18 ሕዳር 2013 ዓ.ም እቲ ካብ ከቢድ ብረት ዘምለጠ ንብረት መስጊድ ነጋሽ “ብሰራዊት ኤርትራ ተወሪሩ” ከምዝተወሰደ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ በዓል ሞያ ስነ ጥንቲ ኣይተ ጉዕሽ ፀሃየ ኣረጋጊጹ። ሰራዊት ኤርትራ ትግራይን ትግራዋይነትን ንምብራስ ካብዘለዎ ሕሱር ዕላማ ብምብጋስ ማዕፆታት፣ ፍሪጅ፣ ምንፃፋትን ካልኦት ናውትን እቲ መስጊድ ብመካይን እናፀዓነ ወሲድዎ እዩ።

ኣብ መስጊድ ነጋሽ ዝተገበረ ደብዳብ ከቢድ ብረት እቲ ቦታ ትካል ሃይማኖት ምዃኑ እናተፈለጠ ኮነ ኢልካ ዝተፈፀመ ምዃኑ በቲ ኣብቲ መስጊድ ዝበፀሐ መጠን ዕንወትን ድሕሪ እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ብሰራዊት ኤርትራ ምውራሩን ተሓሲብሉ ታሪኽ ትግራይ ንምጥፋእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣይተ ጉዕሽ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ኣማኑኤል ዒላማ እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ምዃኑ ቅርስታት ትግራይ ብምዕናው ትግራይ ታሪኽን መንነትን ኣልባ ንምግባር ዘቕነዐ ወራር እዩ። እምነ ኩርናዕ ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት ካቶሊክ ኢትዮጵያ ዝኾነ ካቴድራል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ግራት ብተመሳሳሊ መልክዑ ዒላማ ወረርቲ ሓይልታት ኮይኑ ጉድኣት በፂሕዎ እዩ። “እቲ ካቴድራል ቤተ እምነት ሓዊሱ መንበሪ ኣቦታት ተወቒዑ እዩ” ይብል ኣይተ ጉዕሽ።
ልዕሊኡ ድማ ኣብቲ ካቴድራል ዝነበሩ ተንቀሳቐስቲ ጥንታዊ ሓድግታት ከምዝተወረሩ ዳህሳስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ የመላኽት። ካብኡ ሓሊፉ እውን ንሃይማኖታዊን ስብኣዊን ግልጋሎታት እቲ ካቴድራል ይጥቀሙለን ዝነበሩ 6 መካይን እውን ብወረርቲ ሰራዊት ኤርትራ ተወሲደን እየን።

ናብዛ ሃገር ዋና መእተዊ በሪ እምነትን ሃይማኖታዊ ስርዓትን ዝኾኑ መካነ እምነታት ኦርቶዶክስ፣ እስልምናን ካቶሊክን እቲ ታሪኾምን ቅርስነቶምን ታሪኽን ቅርስን ኩሉ ኢትዮጵያዊን ኣፍሪካዊን ኮይኑ ከብቅዕ በዚ ብርኪ ብወረርቲ ምዕናዎም ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ መንነት ዘቕነዐ ወራር ንምዃኑ ግልፂ መምሀሪ እዩም።

ዳህሳስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ከምዘመላኽቶ ቤተ መንግስቲታት ንግስተ ሳባን ተኽኣ ማርያምን ከምኡ እውን መካነ መቓብር ሃፀይ ካሌብ፣ ሙዝየም ኣክሱምን ስነ-ኳዕቲ ቤተጊዮርጊስን ብሰራዊት ኤርትራ ብዝተገበረ ደብዳብን ንዕኡ ስዒቡ ንዝተፈጠረ ጉሕለት ቅርስታትን ምቅለዖም የረድእ።

በዓል ሞያ ዕቀባ ስነ-ህንፃ እቲ ቢሮ ኣይተ መኮነን ሓድጉ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ “ነቲ ካብ ሓደ እምኒ ዝተፀረበ ብጥበብ ስነ-ህንፃ ኣኽሱማውያን ዝተሰረሐ መካነ መቓብር ሃፀይ ካሌብ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ብከቢድ ብረትን ፈንጅን ብምውቃዕ ጉድኣት ኣብፂሖምሉ እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ውሽጣዊ ክፋል መካነ መቓብር ሃፀይ ካሌብ “እቶም ፅሩባት ኣእማን እቲ መካነ መቓብር ብከቢድ ብረትን ፈንጅን ተወቒዖም ተነፃፂሎም ነቒዖም ኣለው” ብምባል ኣብሪሁ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ቅርስታት ዝበፅሑ ዕንወታት ኣብ ወርሒ ሕዳር ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሩ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ኣክሱምን ካልኦት ግፍዕታትን ኣብ ዝፈፀመሉ እዋንን ምዃኑ ዘመላኽት እቲ ሪፖርት ድሕሪ እቲ ኣብ ማእኸላት ቅርሲ ኣክሱም ዝተኻየደ ደብዳብ ከበድቲ ብረት ስርዓት ኣልቦነት ክነግስ ብምግባር ኮነ ተባሂሉ ሓድግታት ክጠፍኡን ክዓንውን ከምዝተገበረ የረድእ።

ነቶም ቅርስታት ከምመፅለሊን በሪን ኮይኖም ዘገልግሉ ሰገነት፣ ቆርቆሮን ማዕፆን ከይተረፈ ብሰራዊት ኤርትራ ምውሳዶምን ምዕናዎምን ዝገለጸ ኣይተ መኮነን ሓድጉ በዚ እውን እቶም ሓድግታት ተቓላዕቲ ብምዃኖም “ንኣብነት ኣብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱም ከም መለዋወጢ ኮይኖም የገልግሉ ኔሮም ኣብ ሙዝየም ኣክሱም ተዓቂቦም ዝነበሩ 24 ሳናቲም ተጉሒሎም እዮም” ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ፋሽሽታውያን ወረርቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምዕናው ሓድግታት ኣክሱም ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ዝሰርሑሉ ምኽንያት “ተጋሩ ከምመርኣያ ንወስዶ መንነታዊ ውርሲ ከይተርፍ ዓሊሞም ዝፈፀምዎ ኣካል ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ እዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ቤተ መንግስቲ ተኽኣ ማርያም ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ብከቢድ ብረት ከምዝተወቐዐ ዘረድእ ሰነድ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ በዓል ሞያ ዕቀባ ስነ-ህንፃ ኣይተ መኮነን ሓድጉ እውን “ስነ-ኳዕቲ ተኽኣ ማርያም ከቢድ ብረት ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ሓድጊ ዓሪፉ እዩ። ስለዚ እንትዓርፍ ከሎ እቲ ነባር ቤተ-መንግስቲ ብነጥሪ እቲ ከቢድ ብረት ግድግድኡ ተኾዓዒቱ ነቒዑ ቆርቆርኡ እውን ተቐዲዱ እዩ” ክብል ኣብሪሁ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ምፅናት ዘርኢ እውን መንነታዊ ኣሰር ትግራዋይነት ምጥፋእ እዩ። ትግራይ ሎሚ እቲ ንዘመናት ዝዘለቐ ትግራዋይ ሃገራዊ መንነት ዳግም ብቕልፅማ ንምህናፅ ተአንፍት ኣላ። ተጋሩ ንድሕሪት ምልስ ኢልና መንነትና ኣሰራት መንነታዊ ክብርታትናን ብሳይንሳዊ ኣግባብ ብምፅናዕን ብምዕቃብን ስትራቴጂካውያን ፀላእትና ብዘላቕነት በዲህና ምስቲ ኣምር ዓለማዊ ስልጣነነትና ዝምጥን ንመንነታዊ ክብርታትና ዝሕብሕብ ስርዓት ብምህናፅ ኢና ወለዶና ነቐፅል።

One thought on “ሕላገት ስልጣነ ትግራይ ዝኾኑ ታሪኻውያን ሓድግታት ኣዕኒኻ ክልምልም ዝድለ ዘሎ ሃገራውነት ኢትዮጵያን ኤርትራን!

  1. መበቆል ምስልምናን ክርስትናን ኣይሁዳዊ እምነት ከምዝኾነ፡ መበቆል ህዝቢ ሓበሻን ምዕባለ ሓበሻን ትግራይን ኣኽሱምን ኢዩ።

Comments are closed.