መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ 10 ሰለማውያን ሰባት እንትሞቱ 21 ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም


ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀበሌ 06 ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ሎሚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 10 ሰላማውያን ሰባት ሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ ካልኦት 21 ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ይሕከሙ ኣለው። ካልኦት ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ድማ ክሳብ ሐዚ ሃላዋቶም ኣይተረኸበን። ካብቶም ዝሞቱ ኣብ ዕድመ ክልል 10߹ 8ን 5ን ውሽጢ ዝኾኑ ህፃውንቲ ከምዝርከብዎም እውን ተሓቢሩ።


እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበለ መንበሪ ገዛውቲ ብምዕራፉ እቶም ገዛውቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምፍራሶም ክሳብ ሐዚ ካብቲ ፍራስ ተፋሒሮም ዘይተረኸቡ ሰባት ምህላዎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።


በቲ ደብዳብ ኣብ ኢዳን እግራን ዝተወቕዐት ጓል 11 ዓመት ነባሪት ቀበሌ 06 ህፃን ሄርሜላ ካሕሳይ “ኣብ መረባ ምስ ሓንቲ መሓዛይ እናተፃወትና እናሃለና ከቢድ ድምፂ ምስ ሰማዕና ወዲቕና ድሕሪኡ እንታይ ከምዝኾንና ኣይዝክርን” ትብል።


ኣስከሬን እቶም ዝሞቱ ምፍላይ ብዘይምኽኣሎም ከምዝተፀገመት ዝገለፀት ሓጋዚት ሓኪም ትብለፅ መረሳ “እቲ ኣስከሬን ንምፍላዩ ኣፀጋሚ እዩ ኣካሎም ዝተቆራረፁ እዮም። ሙሉእ ኣካል ዝመፀ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራሕ እምበር መብዛሕትኡ ኣስከሬን ተቆራሪፁ ንኣብነት ርእሶም ዝቐረየ እኒኦ ካብ ሽምጢ ንታሕቲ ዝቐረየ እኒኦ” ክትብል ተዛሪባ።


ሓጋዚት ሓኪም ትብለፅ መረሳ ወሲኻ “ክሳብ ሐዚ ምፍላይ ካብዝኸኣልናዮ ኣስከሬን ብነፈርቲ ዝተወቕዑ ክልተ ህፃውንቲ ኣለው” ኢላ።
ወይዘሮ ዮዲት ሃይሉ ካብቶም በቲ ደብዳብ ጉድኣት በፂሕዎም ናብቲ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ነበርቲ እንትኾን ኣብ ልዕሊ ቃንዛኣ ሃላዋት ቤተሰባ ስለዘይትፈልጥ ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ወጥሪ ብምህላዋ ቀልባ ስሒታ ክተዛርበና ኣይከኣለትን።


በቲ ደብዳብ ተወቒዑ ሃላዋት ህፃን ወዱ ዘይፈልጥ ኣይተ ቢንያም ተስፋይ፣ በቲ ደብዳብ ወዱ ምሳኑ በዓልቲ ገዝኡ እናነበዐት ነጊራትና። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ባዕሉ ዝበፀሐ ኣካላዊ ጉድኣት ሞት ወዱ ከይተርድኦ ምስፈለጠ ክስምዖ ዝኽእል ስነ-ልቦናዊ ሃሰያ ከቢድ ምዃኑ ገሊፃትልና።


መተሓባበሪ ክፍሊ ነርስ ሆስፒታል ዓይደር ኣይተ ቴድሮስ ካሕሳይ “ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ ክሳብ ሐዚ ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም መፂኦም ዘለው ግዳያት 19 እዮም። ሐዚ እውን ኣንቡላንስ ይመላለሳ ስለዘለዋ በዝሒ ዝተወቕዑ ይውስኽ እዮ ዘሎ” ኢሉ።


ኣይተ ቴድሮስ ወሲኹ እውን “ኩሉም እቶም ናብዚ ሆስፒታል ዝመፁ ግዳያት ሰላማውያን ሰባት ብምዃኖም እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘቕነዐ እዩ” ክብል ገሊፁ።


እቶም መንበሪ ኣባይቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕናዎም ክሳብ ሐዚ ኣብ ኣለሻ ኣስከሬን ከምዘለው ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።


ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ማሕበረሰብ ዓለም ስቕ ኢሉ ይዕዘብ ምህላው፣ ተጋሩ ዘለና ኣማራፂ ኩለመዳይ ዓቕምና ኣዋዲድና ንሃላዋትና ምቅላስ ከምዝኾነ ኣብቲ ደብዳብ ረኺብና ዘዘራረብናዮም ሰባት ገሊፆም።