ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ክርድኡን መፍትሒ ከቕርቡን ዝደልዩ ዓለምለኻውያን ትካላት መግለፂ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብዝግባእ ከዳምፁ ከምዝግባእ ፕሮፌሰር ሸትል ትሮንቮል ሓቢሩ።

ኣብ ሰላምን ግጭትን ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ መፅናዕትታት ዘካየደ ሙሁር ፕሮፌሰር ሸትል ትሮንቮልት፡ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ርድኢት ክህልዎም ዝደልዩ ዓለምለኻዊ ኣካላት ትማሊ ዝተውሃበ መግለፂ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ከዳምፅዎ ከምዝግባእ ኣብ ትዊተር ገፁ ፂሒፉ።

እቲ ዓመት ክመልኦ ሒደት መዓልታት ዝተረፎ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብመዓት ዘራይ ንምግላፁ ዝኸብድ ጭካነ ድሕሪ ምፍፃሙ፣ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሓመድ ልሒሱ ተላዒሉ ነቲ ኩነታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝቐየሩ ዝፍለጥ እዩ።

ከምውፂኢቱ እውን ቀፃሊ ዓወታት ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብተኸታታሊ እንዳተመዝገበ መፂኡ ሐዚ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ።

ሓይልታት ኢትዮጵያን ሕዱር ፅልኢት ዘለዎም ሚሊሻን ፋኖን ኣምሓራ ካብ ሐዚ ንደሓር ዘምፅኡዎ ለውጢ ስለዘየለ ኢዶም ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብምሃብ ሂወቶም ከድሕኑ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝበፅሕ ጉድኣት ክቕንሱን ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ መረበቱ ከይመዛበልን ዝብል ፃውዒት ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ትማሊ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ።