“ከተማ ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣትያ” ኢሎም ዝፀብፀቡ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደቡብ ወሎ ከተማ ሃይቅ ብሰራዊት ትግራይ ከምዝተትሓዘት ዝፀብፀቡ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣሐዱ ሬድዮ 94.3 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩ ተገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ዜና ዝሰርሐት ልዋም ኣታኽልትን ኤዲተር ዝነበረ ክብሮም ወርቁን ብገበን ተጠርጢሮም ብዝብል ፖሊስ ከምዝኣሰሮም ጠበቕኦም ጥጋቡ ደሳለኝ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ጋዜጠኛ ልዋም ኣታኽልቲ ምሸት ሰዓት ክልተ ካብ ስራሕ ኣብ እትወፀሉ እዋን ብፖሊስ ከምዝተትሓዘትን ምስ ግብረ ራዕዲ ውድብ ርክብ ብምፍጣር ህዝብን መንግስትን ሃዊኽኪ ዝብል ክሲ ከምዝቐረበላ ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ጋዜጠኛ ክብሮም፡ ድማ ምስ ፀረ ሰላም ሓይልታት ተልእኾ ብምቕባልን መናእሰይ ብምምልማልን ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሉ ጠበቓ ጥጋቢ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰራዊት ትግራይ ኣብ ዓውደ ግምባር ከቢድ ስዕረት ዘጋጠሞ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስራሕ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ተጋሩ ኣብ ምእሳርን ምቕታልን ተፀሚዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።