መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለም ዝከተታሎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክቕበል ሰለስተ ብሄራዉያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን።

ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ውድብ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ዂናት ንኽፍታሕ ሸሞንተ ነጥብታት እማመ ሰላም ተግባራዊ ክገበሩ ከምዘለዎም ዘርዚሮም።

እዞም ብሄራውያን ውዳባት ፖለቲካ ትግራይ ብእንግሊዘኛ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂኦም ህዝቢ ትግራይ ካብ 1983 ዓ/ም ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ዘበርከቶ እጃም ጠቒሶምን፣ ኣብዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝተኣወጆ ዘርኢ ምፅናት ኩናትን ዝሓለፎ ግፍዕን ንህዝቢ ዓለም ኣዘኻኺሮምን እዮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ጆኖሳይድ ጠጠው ክብልን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክመፅእን እንተኾይኑ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለም ዝከታተሎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብዘይውዓል ሕደር ክቕበል ጸዊዖም። ህዝቢ ትግራይ ሪፈረንደም ናይ ምክያድ መሰሉ ክሕለወሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኣምን፣ ክስማዕማዕ፡ ከኽብር እንተኺኢሉ ሰላም ክዓስል ከምዝኽእል እቶም ውድባት ኣብ መግለፂኦም ኣስሚሮምሉ። ናብዙይ ውሳነ እዙይ ንምብፃሕ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራን ኤርትራን ብህፁፅ ካብ መሬት ትግራይ ለቒቖም ክወፁ ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ የተሓሳስብ።

ናብ ሰላም ክንምለስ እንተኾይንና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞም ኩሎም ዓይነታት ዕፅዋ ከልዕል፣ ኣገልግሎት ክኸፍት፣ በጀት ትግራይ ፈሰስ ክገብር ከምዘለዎ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም። ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩሉ ዓይነት ገበንን ግፍዕን ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ኣካል ክፃረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክስማዕማዕ፣ ብመንነቶምን ብፖለቲካዊ እምነቶምን ዝተኣሰሩ ተኣግሩ ኩሎም ክፈትሕ፣ ዝተዓፀዉን ዝተመንዝዑን ትካላትን ሃፍትምን ተጋሩ ናብ ሰብ ዋንኦም ክምለሱን ዝብሉ ነጥብታት እውን ኣካል እቲ መግለፂ እዮም።