ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ብውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ኖርወይ ኣንቢርዎ ዝፀንሐ እገዳ ንተወሰኽቲ ክልተ ኣዋርሕ ከምዘናወሖ ኣፍሊጡ።

እቲ እገዳ ንኽልተ ኣዋርሕ ከምዝተናወሐ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተነገሮ ኣብ መግለፂኡ ዝሓበረ እቲ ትካል ብ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሓዘነ ድማ ገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኒገል ትሪክስ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ከይንንቀሳቐስ ዘንበሮ ክልከላ ንተወሰኽቲ ክልተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ብዘሕለፎ ውሳነ ሓዚንና ኢና፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዝበለፀ ርድኢት ክህሉን መልሲ ንምሃብን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንዘራረብ ኣለና” ምባሉ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ካውስል ስደተኛታት ኖርወይ ዝርከቦም ሰለስተ ትካላት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም እዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይ፣ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሆላንድን ኣል ማክቱም ፋውንዴሽንን ካብ ዝተጣየሽሉ ዕላማ ወፃኢ ክንቀሳቐሱ ተረኺቦም ብዝብል ምኽንያት ካብ ምንቅስቓስ ከምዝተኣገዱ ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ኤንኣርሲ ብወገኑ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣንዳናፈሱን ሰራሕተኛታቱ ግቡእ ፍቓድ ከይረኸቡ ተንቀሳቒሶምን ዝብል ክሲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝቐረበሉ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ፡፡

እቲ ትካል ካብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ምግብን መፅለልን ክህብ ፅኒሑ እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ሰራዊት ኤርትራ ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፀሖ ጨፍጫፍን በደልን ከቃልዑ እዮም ወይ ድማ ንዝተመዛበሉን ዝተጋፍዑን ተጋሩ ሓገዝ ክገብሩ እዮም ዝበሎም ናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት ኣብ ምብራር ይርከብ።