መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንኽወፅእ ዝቐረበሉ ፃዊዒት ነፂጉዎ።

ሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ግስጋሱኡ ደው ብምባል  ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽእ ብመንግስቲ  ኣሜርካ ዝቀረበ ጻዊዒት መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ዘይሰብኣዊ ተግባራቱ ከይተቆጠበ  ከምዘይቅበል መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣሜርካ ሓይልታት ምኽልካል ትግራይ  ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ክወጹ ቅድሚ 4 ማዓልቲ ዘቅረቦ ጻዊዒት መሰረት ብምግባር መልሲ ዝሃበ መንግስቲ ትግራይ እቲ ሐዚ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፈሪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ፈጺሕካ ንምውጻእን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምርግጋጽ ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ከምዝኮነ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ጥምየት ተሳጢሑን ሚልዮና ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ዝሓበረ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ንምቅራፍን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምልዓልን ተደጋጋሚ ጻዊዒት ብማሕበረሰብ ዓለም ዋላ እንተተገበረ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክሰምዕ ከምዘይከለ ኣዘካኪሩ። ብመሰረት እዚ እውን እቲ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ነዚ ዕጽዋ ንምስባር ከምዝኮነ ክፍለጥ ኣለዎ ክብል ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ምዕራብ ትግራይ ብዘይሕጋዊ ኣግባብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ኣምሓራን ኤርትራን ዝርኸብ እንትኸውን ብኣማኢት ኣሸሓት ንውበርቲ እቲ ከባቢ ክመዛበሉ ካብ ምግባሩ ብተወሳኪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ተጋሩ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጨፍጫፋትን ዕንወትን ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብተወስኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ንዝቀረበሉ ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ጻዊዒት ነጺጉ ብኣማኢት ኣሸሓት ሰራዊት እናሰልጠነን ድሮናትን ካልኦት መሰርሕን እንናገዘአን ንኲናትን ትግራይ ንምጥቃዕ ዘለዎ ድልውነትን ብግልጺ የርእይ ኣሎ እዩ ዝበለ እንትኸውን ኣብ ቀረባ እውን ጃምላዊ ናይ ኣየር ደብዳብ ኣብ ትግራይ ከምዝፈጸመ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፣ ማእሰርቲን መቅተልትን ይፍጽም ምህላዉ ዘፍለጠ እንትኸውን መንግስቲ ትግራይ ተጋሩ ናይ ምሕላውን ምኽልካሉን ግዴታ ብምክባር እቲ ወፍሪታት የሳልጥ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።