ጭብጥታት ሓበራዊ መግለፂ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ

ዕላማ እቲ ንሚድያታት ትግራይ እቲ 20 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ግእዝ ዝተውሃበ መግለፂ ዝሓበረ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ካብ ሳወት “ኣብቲ ሐዚ ንገብሮ ዘለና ህዝባዊ ቃልሲ መብርሂ ንምሃብን ሰላስቴና ውድባት ሳወት፣ ውናትን ባይቶናን ብሓባር ዘውፃናዮ ነጥብታት እማመ ሰላም ንምቕራብን እዩ” ብምባል እዩ እቲ መግለፂ ተጅሚሩ።

እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ተስማዕሚዐን ዘውፀአኦ ሓበራዊ ቅዋም ምዃኑ ብምጥቃስ ሓሳቡ ዝጀመረ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ካብ ባይቶና እተን ውድባት “ፍርቂ ኣካለን ኣብ በረኻ ፍርቂ ኣካለን ድማ ኣብ ውሽጢ ዓለም ዘነቓነቐ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ከካይድ ፀኒሑ እዩ። ኩሎም ሚድያታት ዓለም ዝፀብፀብዎ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዕታት ኣቃሊሐን እየን” ኢሉ። እቲ 20 ጥቅምቲ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ እውን “መቐፀልታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገብረኦ ዝነበራ ዕውት ቃልሲ” ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

ብዛዕባ ደብዳብ ነፈርቲ

ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ፀላኢ ኣብ ከባብታት መቐለን መላእ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ “በቲ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ሰለስቴ ብሄራውያን ውድባት ዝተሰመዐና ሓዘን ክንገልፅ ንፈቱ ንስድራ ግዳያት እውን ፅንዓት ንምነ” ድሕሪ ምባል “እዞም ግዳያት እዚኣቶም ኣብ ግንባር ከምዝተሰውኡ ብፆትን ተጋደልትን ጌርና ክንሓስቦም ከምዘለና ንርዳእ” ይብል። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ “ከምቲ ፀላእቲ ዝብልዎ ኣብ ወተሃደራዊ ዕላማ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጨፍጫፍ ስለዝኾነ ከምብሄራውያን ውድባት ኣትሪርና ንኹንን” ክብል ቅዋም እተን ውድባት ነፂሩ።

ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ብተመሳሳሊ “እቲ ህፃናት ሓዊሱ ህዝቢ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሞት፣ ኣካል ምጉዳልን ንብረት ምስኣንን ተቓሊዖም እዮም። እዚ ሰላማውያን ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ ናይ ኣየር ጥቕዓት ብትሪ ኢና ንቃወሞ” ክብል ኣፍሊጡ። “ህዝቢ ትግራይ በዚ ዝግበር ዘሎ ዕፅዋ በዚ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ዝያዳ ክሕርን ኣለዎ ቃልሱ ከሐይል ኣለዎ ዝያዳ ዓወቱ ቀረባ ንኽኸውን ክሰርሕ ኣለዎ” ኢሉ።

ፅንዓት ህዝቢ ትግራይ

“ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ኣብ ትሕቲ ምንሊካዊ ስርዓት ካብዝወደቑሉ ግዜ ጀሚሩ ብሄራዊ ዕረፍቲ ረኺቡ ዝሓለፈ ዋላ ሓደ ወለዶ የለን ኣብ ትግራይ” ዝበለ ዶ/ር ደጀን መዝገበ ካብ ውናት “ወለዶ ሓሊፉ ወለዶ ብዝተተከአ ቁፅሪ ኩሉም ኢትዮጵያ ትድግሰሎም ናይ ደም ድግስ እናተፀለው ከቢድ ዓፀቦን መከራን እናሓለፉ እዮም መፂኦም” ኢሉ። ዶ/ር ደጀን “ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጎዝጎዝናሎም ዘበናት ዋላ ሓደ ቀሲኑ ዝሓለፈ ወለዶ የብልናን” ክብል እቲ ናይ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት እውን መቐፀልታ ምንሊካዊ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ጠቒሱ።

ካብ 1983 ዓ.ም ግእዝ ንነዘ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ኣብ ዝተኸሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣባል ኮይና ትግራይ ክሳብ ቀረባ ግዜ ምፅናሓ ዝሓበረ ዶ/ር ደጀን “ህዝብታት ብሄር ብሄረሰባት ነናይ ባዕሎም መንግስቲ ሃልይዎም ነንባዕሎም ተኸባቢሮም ብሓባር ዝህልዎም ስልጣን እውን ብሓባር ክውስኑ ዘኽእል መንገዲ ቀይሶም” ሕገመንግስታዊ ቃልኪዳን ኣሲሮም ምፅንሖም ተዛሪቡ።

“እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እቲ ዝነበረ ቃልኪዳን ተጣሒሱ ኢትዮጵያ ኣለኒ ትብሎ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዓቕምታት ኣዋዲዳ ዘይብላ እውን ተለቂሓ ይኹን ተመርቂሓ ካብዝኣተወት ኣትያ ዓቕምታት ኣዋዲዳ መፂኣ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ እንተተኻኢሉ ንኽጠፍእ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ንኽስኮን ሞራሉ ዝተድሃለ ዝሓነኸ ዝሓፈረ ህዝቢ ንኽኸውን ኣምበርኪኽካ ናይ ምግዛእ ፀጋታቱ እሴታቱ ወሪስካ ናይ ባዕልኻ ንምግባር ዓሊማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጥፍኣት ሓሊማ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ኲናት ካብትእውጅ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ እንተኢልና ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን” ክብል ወፍሪ ኢትዮጵያን ዓርሰ-ምክልኻል ተጋሩን ታሪኻዊ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ህልው ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣይተ ኪዳነ “ሰራዊት ትግራይ ዘመዝግቦ ዘሎ ኣብዝኾነ ዓለም ዘይተሰረሐ ዓወት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኲናት ብዜካ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ካሊእ ዝኾነ ህዝቢ ዓለም ካብ ከምዚ ዝበለ መፃብብ ፈንቂሉ ክወፅእ ዝኽእል ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ታሪኻዊ ስርሒት ብምፍፃም ዓርሱ ዘድሕን ህዝቢ ኣብ ዓለም ከምዘየለ ተረዲእና ኣለና” ኢሉ። ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ ኣብ ሓዊ ተፈቲኑ ወርቀቱ ዘረጋገፀ ህዝቢ ምዃኑ ኣብዚ ናይሎሚዘበን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣረጋጊፁ እዩ ዝበለ ኣይተ ኪዳነ “ከምብሄራውያን ውድባት ዝተሰመዐና ሓበን ክንገልፅ ንደሊ” ክብል ተዛሪቡ።

ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

ኣይተ ኪዳነ ኣመነ “ሰለስቴና ብሄራውያን ውድባት ዕላማ እቲ ቃልሲ ብግልፂ ብዘይሽፍንፍን ብዘይሕብእብእ ክንፀር ኣለዎ ኢልና ንኣምን። እዚ ቃልሲ እዚ ኣብይን ኢሳያስን ብምጥፋእ ፀላእትና ብምድምሳስ ዝዛዘም ዕላማ የለን። እዞም ፀላእቲ እዚኦም ምድምሳስ ጥራሕ ኣይኮነን ክንድምስሶም ኣለና ክንስዕሮም ኣለና ሓመድድበ ክነእትዎም ኣለና ንብል ዘለና ናይ ባዕልና ሃገር ክንውንን እዩ” ኢሉ።

ዕላማ ምስረታ ሃገርነት እንተብርህ “ትግራይ ኣብ ባዕላዊ ጉዳያታ ባዕላ ትውስነሉ ናይ ባዕላ መንገዲ ሒዛ ክትከይድ ኢትዮጵያ እውን ናይ ባዕላ መንገዲ ሒዛ ክትከይድ ጌርና ኣብ ትግራይ እውን ሓቀኛ ዴሞክራሲን ምዕሩይ መንግስትን ክህልወና ክንሰርሕ እንተኽኢልና እንተዘይኮይኑ ክልቲኦም ስርዓታት ብምጥፋእ ዝኽንበት ዕላማ የለን” ብምባል ይገልፅ።

ወሲኹ እውን “ንመላእ ህዝብና ክንገልፆ ንደሊ ዕላማ እቲ ቃልሲ ተነፂሩ ኩላትና ተጋሩ እውን ናብ ሓደ ዓይነት ስምምዕ መፂና ንዕውትነቱ እውን ብሓባር ክንሰርሕ ክንቃለስ ክንዋደቕ ቃልስና ካብ ፀላእቲ ምድምሳስ ናብ ሃገርነት ክነበርኾ ፃውዒትና ክነቕርብ ንደሊ” ይብል።

ቀይሕ መስመር እማመ ሰላም

እቲ ኲናት ብፖለቲካዊ መፍትሒ እዩ ዝኽንበት ዝበለ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ “እቲ ፖለቲካዊ መፍትሒ ድማ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት እዚ ኲናት እዚ ከመይ ይውዳእ? ዕላማ እዚ ኲናት እዚ እንታይ እዩ? ከምኡ እውን መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል መሰረታዊ ጉዳያት ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ዘሳተፈ ናይ ፖለቲካ ከይዲ ክህሉ ፃውዒትና ነቕርብ” ክብል ሓቢሩ።

“ህዝቢ ትግራይ ብቕልፅሙ መሰለይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢሉ ዘኽበሮም ዓወታት ኣለው” ዝበለ ዶ/ር ደጀን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን እቲ ኲናት ብልዝብ ክፍታሕ ድፍኢት ይገብር ብምህላው ኣብዚ ድርድር ትግራይ እንታይ ዓይነት ነጥብታት ሒዛ ክትቀርብ ኣለዋ ዝብል እተን ውድባት ተስማዕሚዐን ዘውፀአአኦም ነጥብታት እማመ ሰላም ዘርዚሩ።

  1. ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ሪፈረንደም ትግራይ ውፅኢቱን ብፀጋ ንኽትቅበል
  2. ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ማለት እውን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ፣ ጎባጢ ሓይሊ ኣምሓራን ወራሪ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኩሎም ካብ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ተፀራሪጎም ክወፁን ግዝኣታውን ፖለቲካውን ሉእላውነት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ
  3. ኩሎም ዓይነት ዕፅዋታትን ክልከላታትን ክለዓሉ፣ ትካላት ግልጋሎት ህዝቢ ብሙሉእ ዓቕመን ስራሕ ክጅምራ፣ በጀት እውን ክልቀቕ
  4. ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብምኽንያት መንነቶም ጥራሕ ብፖለቲካን ካሊእን እናተሳበበ ዝተኣሰሩ ኩሎም ተጋሩ ክፍትሑ፣ ዝተዓፀው ትካላት ንግዲ ተጋሩ ክኽፈቱ
  5. ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩሎም ገበናት ዘርኢ ምፅናት ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ንኽፃረ ክትፈቅድ
  6. ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ቁሳዊ ይኹን ካሊእ ዕንወት ብዓለምለኻዊ ትካል ተፃርዩ ዝከሓሰሉ መንገዲ ክናደ ካሕሳ ክኽፈል
  7. ኢትዮጵያ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ነጥብታት ኩሎም ከምትቕበል ብግልፅን ብዕሊን ክትገልፅ
  8. ኢትዮጵያ ዝምልከቶም ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ዘሳትፍ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተለ መስርሕ ኣፈፃፅማ ንኽህሉ ክትፈቅድ ይግባእ ዝብሉ እዮም እቶም ብውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ውድባት ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)ንዝወፁ ቅድመ-ኩነታት እማመ ሰላም።

ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ኣብ መግለፂኡ ረብሓ ትግራይ ንምሕላው “ሰለስቴና ውድባት ተዛቲና ክሕለፉ ዘይግበኦም ነጥብታት እማመ ሰላም ኣቐሚጥና ኣለና። ነዞም ነጥብታት ዘሊልካ ዝግበር ድርድር ዘይንቕበል ምዃንና እውን ንሕብር” ብምባል ይዛረብ። እቶም ነጥብታት እማመ ሰላም ናብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ፅልዋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ኣካላትን ከምዘቕረቡ ኣይተ ኪዳነ ገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ “ንብሄራውያን ውድባት ትግራይ ዘግለለ ዝኾነ ዓይነት ድርድር ፈፂምና ከምዘይንቕበል ናይ ትግራይ መፃኢ ዕድል ንኹሉ ትግራዋይ ስለዝምልከቶ ሕጋዊ ሰውነት ዘለና ፖለቲካዊ ውድባት እውን ኣካል እቲ ድርድር ክንከውን ኢና ፃውዒትና ነቕርብ” ኢሉ።

ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንበርዎ ኩለመዳይ ዕፅዋ

ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ “ፀላእቲ ካብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ተሳዒሮም ምስወፁ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩሉዓይነት ዕፅዋ ብምንባር ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ መሰረታዊ ግልጋሎታት ከይረክብ ኣብ ምግባር ይርከቡ” ክብል ጠቒሱ። “ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ዝኾኑ ናይ ፈደሬሽን ኣካል ብምዃን ክረኽቦም ዝግባእ ግልጋሎታት ኣለው። ባንክ፣ ቴሌኮምዩኒኬሽን፣ መንገዲ፣ በጀትን ካልኦትን እዚኦም ናይ ምርካብ መሰሉ ተሓዲጉ እዞም ግልጋሎታት ኣካል እቲ ኲናት ኮይኖም ህዝቢ ትግራይ ንጥሜት፣ ንዓፀቦ ከምኡ እውን ንሞት ተቓሊዑ እዩ” ይብል።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓለምለኸ ትካላት ክረኽቦ ዝግባእ ሓገዝ ከይተረፈ ብፀላእቲ ምኽልካሉ ዝጠቐሰ ኣይተ ክንፈ “ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፈአ ሓደጋ ንኽሳጣሕ ኣብ ምግባር ይርከቡ እዞም ዘርኢ ምፅናት ዝኣወጁልና ሓይልታት” ብምባል ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ዶ/ር ደጀን “በቲ ዕፅዋ በቲ ደብዳብ በቲ ጥምየት ናይ መወዳእታ ፃዕረ-ሞት ድልየታቶም እዮም ዝፍፅሙ ዘለው። ንሶም እውን ናይ ኣቦታቶም እዮም ዝፍፅሙ ዘለው ህዝቢ ትግራይ ድማ ናይ ኣቦታቱ እዩ ዝፍፅም ዘሎ በቲ ደብዳብን ክልከላታትን ኩሉ ከምዘይስኮን እናርአዮም መፂኡ እዩ” ክብል ገሊፁ። ህዝቢ ትግራይ ለባም ህዝቢ ብምዃኑ እዚ ግበር ምባል ንቐባሪ ምርዳእ እዩ ዝበለ ዶ/ር ደጀን “ኩለመዳያዊ ጥቕዓት ተፈፂምሉ እዩ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ይገብር ኣሎ እተን ፖለቲካዊ ትካላት እውን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበራ ይቕፅላ ኣለዋ” ኢሉ።

ስንፍና ተጋሩ-ወታደራዊ ዓወታት ናብ ዘላቒ ፖለቲካዊ ረብሓ ትግራይ ዘይምቕያር

ዶ/ር ደጀን “ኣብ ታሪኽ ኩሉግዜ ከምንሪኦ ወታደራዊ ዓወታት እናመዝገብና ብዝመፃና ቑፅሪ ወታደራዊ ዓወታት ናብ ፖለቲካዊ ረብሓ ኣብ ምቕያር ስንፈታት ድኽመታት ስለዝነበሩና እዩ ኩሎም ወለዶታት ናይቲ ድኽመትና ተጠቃዕቲ እናኾኑ ዝመፁ” ክብል ገሊፁ። ወሲኹ እውን “ኣያታትና ዝሓለፍዎ መከራ ንሕና እውን ንቕበል ኣለና። እዚ ፖለቲካዊ ድኽመት እዚ ምእራም እንተዘይክ ኢልና ሐዚ ደቅና ደቂ ደቅና እውን ተመሳሳሊዓፀባን መከራን ከምዝገጥሞም ተመሳሳሊ ዘርኢ ናይ ምፅናት ፈተነ ከምዝገጥሞም ርዱእ እዩ” ክብል ታሪኻዊ ዕንክሊል ትግራይ-ኢትዮጵያ ጠቒሱ ኣርዲኡ።

እዚ እዋን እዚ ከምዚ ዓይነት ታሪኻዊ ዕንክሊል ንኸብቅዕ ታሪኻዊ ውሳነ ዝውሰነሉ ህዝቢ ትግራይ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝተሸከመሉ ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶ/ር ደጀን “መወዳእታ ቃልስና ናፃን ሉእላዊትን ሃገረ ትግራይ ብምግሃድ ክኽንበት ከምዝግባእ ብሄራውያን ውድባት ሳወት፣ ባይቶናን ሳወትን ተስማዕሚዐን” ክብል ተዛሪቡ። ደብስ ናይ ትማሊን ሎምን ሰማእታትና ንመፃኢ ወለዶ እውን ዘላቒ መፍትሒ ዝኸውን ሃገረ ትግራይ ምግሃድ ምዃኑ እውን ዶ/ር ደጀን ኣረጋጊፁ።