ደም ትግራዋይ መጢጣ ከም ትዃን ዝሃጠረት ኢትዮጵያ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዝወሰደቶ ኣዋጅ ጽንተት እንትድህሰስ።

ትግራዋይ ብፅፍሩ ዘፍረዮ ጥሪት ንዋቱ እሞ ይትረፍ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጎስጓሳት መዓልታዊ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ሃልሃልታ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዓመታት ዝዘለቐ ስነ-ልቦናዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ ብዕስላዊ ብይን ንሞት፣ ምፍንቓልን ምምንዛዕ ንብረቱን ብምቅላዕ እዩ ዝኽንበት። ሚድያ ኢትዮጵያ ካብ መራሒን ሰዓብን ካብ ጳጳስን ሸኽን ወተሃደርን ፖሊስን እናቖለባ ትግራዋይ ዝዝንጥላ ቃላት ከምመዝሙረ ዳዊት ካብዝደግማ ሰለስተ ዓመታት ሓሊፉ።

እተን ‘ሃወርያ ለውጢ’ ኢለን ኣጣቒዐን ንኣብዪ ኣሕመድ ኖቤል ሰላም ዘሸለማ ሚድያ ዓለም ኣብ ፅባሕ ኣፍልጦ ነቐፌታ ክጅምራ ኣይበሃጋን። ንምንታይሲ ምልካዊ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ብናተን ከም ‘ንኡስ መራሒ ኣፍሪካ፣ ሊበራል፣ ኣቦ-ሰላምን ፓለቲካዊ ምርድዳእን’ ዝበላ ውርዙያት ቃላት እናቓነያ ኣብ ግብሪ ዘየለ ምናባዊ ስብእና ሃኒፀን ሸሊመን ከብቅዓ ሽዑ ንሽዑ ‘ትጋገ ኣለኻ’ ክብላ ኣይደለያን።

ሚድያ ኢትዮጵያ ድማ ነዛ ኩነታት ተበሊፀን ‘የፍትህ ሰቆቃ፣ ሺዎች የተሰውለት የግንቦት ሃያ ድል የቀለበሰው የግፈኞች በደል’ ዝኣመሰሉ ንትግራዋይ ትሕቲ ሰብ ክቑፀር ዝሃቀኑ ልጋባት ፀለመን ጠቐነን ኩለን መደብራት ቴሌቭዥን ብተመሳሳሊ እዋንን መዓልትን እናቕረባ ኣጀንዳ ይቐርፃ ኣለዋ። እቲ ኣጀንዳ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ተጋሩ መንቀርሳ ሓድነት ኢትዮጵያ እዮም ሓደ ነገር ግበር’ ዝብል እዩ። ከምውፅኢቱ እውን ካብ ጎንደር ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝነብር ዝነበረ ትግራዋይ በታ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝተዋደቐላ ዓዱ ክቕተል፣ ብጅምላ ክእሰርን ንብረቱ ክውረስን ዓመታት ተቖፀሩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሪሂጸ በላዕ ትግራዋይ ዝተጀመረ ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ገነ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ማእኸላይ መገግስቲ ናይ ቀላሳይ ተራ ኣብ ዝነበሮም ኮይኑ መናእሰይ ብሄርተኛታት ትግራይ “እዚ ኣካይዳ ብሞት ትግራዋይ ኢትዮጵያውነት ናይ ምቕጻል ፖለቲካዊ ‘ዕጥራን’ እዩ ዝብል ነቔፌታ የቕርቡ ምንባሮም ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ’ዩ።

እቶም መናእሰይ ፖለቲከኛታት ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ጽባሕ 40 ሽሕ ትግራዋይ ካብ ጎንደር ሕጥጥ ኢሉ ዝወጽአላ መዓልቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንኣብቲ ሽዑ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ‘ግልጺ ደብዳቤ’ ብምጽሓፍ ትግራዋይ ንዘበናት ካብ ዝነበረሉ ዓዲ ሃብተ ንብረቱ ተመንጢሉ ክስጎግን ክቕተልን የብሉን ኢሎም ኣውያት ኣስሚዖም ነይሮም።

እንተኾነ ግን መራሕቲ ህወሓት “ዓዲ ከይትፈርስ” ናይ ሱቕ በሉ ፖለቲካ ካብ ምምራሕ ሓሊፎም ኣብዚ ጎስጓስ ይሳተፉ ኣለዉ ንዝበልዎም መናእሰይ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ጸበብቲ ካብ ዝብል ሽማሽም ክሳብ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ውድብ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ሓሳቦም ዝሃቡ ኣባላት ህወሓት “ዕረፉ” ክሳብ ዝብል መፈራርሒ ተዋሂብዎም ነበረ።

ሎሚ ኸ እንታይ ደልየን?

ሚድያ ኢትዮጵያ ንትግራዋይ ‘ዝብኢ ቀትሪ፣ መንቀርሳ፣ ጎሓሎ፣ ቀተልቲ’ ዝብል ቅኒተን ኣጠናኺረን ቀፂላናሉ። ሎሚ ኸ እንታይ ደልየን? እቲ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብር ትግራዋይ ዝሞተ ሞይቱ እቲ ዝተረፈ እውን እናተመላጠጠ መንበሪ ኣስኢነንኦ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዓዱ ተመሊሱ እዩ።

እንታይ ዳኣ ደልየን እንተኢልና ሓንቲ ኣብነት ንርአ። ደበበ እሸቱ ዝብልዎ ብስም ኣርቲስትነት ዝሽቅጥ ኣብ ኣጋ እርጋን ዝርጋን ከምዝበሃል “ዶ/ር ኣብዪ ዝብኢ ቀትሪ ኢልዎም ሓቁ እዩ ኣነ ከዓ ንዶ/ር ኣብይ ዝብሎ ዝብኢ ካብዝበልዐካ በሊዕኻዮ ተቐደስ ዝበሃል ምስላ ኣሎ ንብላዓዮም እሞ ንቀደስ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝኣወጆ ምፅናት ዘርኢ እናተቐባበላ ይፍንዋ።

ቅድመ-ምድላዋት ወራር

እቲ ክፈጥረኦ ዝደለያ ምስሊ ‘ትግራዋይ ሰብ ኣይኮነን ንትግራዋይ ምቕታል ከዓ ፅድቂ እዩ’ ዝብል ሰዓብቲ ፖለቲካን እምነትን ብሓደ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ክወፍሩ ዘበግስ ዘረባ እዩ። ኮይኑ እውን ኢትዮጵያ ዘለዋ ወተሃደራዊ ዓቕምታት ካብ ተዋድድ ነዊሕ እዋን ጌራ። እቲ ዘይብላ እውን ክንዲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኣክል ኣብ ሂወቱ ጥፍኣት ትግራይ ኣዐዊቱ ክመውት ዝደሊ ኣሸቃሊ ስለዘሎ ኢትዮጵያ እቲ ዘይብላ እውን ከምዘለዋ ሓሲባስ ትሸባሸብ ኣላ።

ኢትዮጵያ የማነ-ፀጋም ዝነበራ ዓቕምታት ኣዋዲዳ ናብ ትግራይ ምትማማ ከይኣክል ሰራዊት ኤርትራ ምስ ትግራይ ዘዋስንዎ ቦታታት ድፋዕ ኩዒቱ ክዳሎ፣ ሱዳን እቲ ‘ጁንታ’ ብዝብል ዝተበየነ ትግራዋይ ከይወፅእ ዘድሊ ምድላዋት ተወጊኑ። እቲ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝነበረ ሰሜን እዝ ድማ ኣብ ሑቕፊ ትግራይ ኮይኑ ንትግራይ ክወግእ ምስጀመረ እቲ ከምዕስለ ንህቢ ወሰና ወሰን ዝዝንቢ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ፋኖን ምልሻን ኣምሓራን ኣትዩ ክሕግዞ እዩ እቲ ትልሚ።

24 ጥቅምቲ መንግስቲ ትግራይን እዚ ሰሜንን

ኣብ ሞንጎ እዚ ትልሚ ዝተረደአ መንግስቲ ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኣኽሱማውያን] ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ምስዘኽብሩ ኣባላት ሰሜን እዝ ብምርድዳእ ኣብ ገለገሊኡ ድማ ዓርስኻ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ትልሚ ፈሸለ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ ‘ሰሜን እዝ ስለዝተጠቐዐ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምኽፋቱ ኣዊጁ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ኩነታት “እቲ ስነ-ኣእምሯዊ ኲናት ወዲእና ኢና ሐዚ ብኣካል እቲ ዝተረፈና ክንውድኦም ኢና ኢሎም መደምደምታ ምስበፅሑ ናይቲ ኲናት ቀንዲ ቀያሲን ሃንዳሲን ተግባሪን ሐዚ እውን ዝመርሕ ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኩሉ ምድላዋቶም ምስወድኡ እዩ እቲ ኣካላዊ ኲናት ተጀሚሩ” ይብል።
ኣብ ሰሜን ምብራቕ ትግራይ መንግስቲ ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ድፋዕ ኩዒቱ ሰራዊቱ ከምዘስፈረ ዝገለፀ ኣይተ ሓዱሽ ቅድሚ 24 ጥቅምቲ “ሻዕብያ ብዛላምበስኡስ ብገርሆስርናይ ተናኺፎምና እኮ እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ፋኖን ፍሉይ ሓይሊን ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዕርዲ ሒዞም ምንባሮም ዝዝክር ኣይተ ሓዱሽ ካሱ “ኣብ ማእኸል ኣብ ምብራቕ [ኢትዮጵያ] ዝነበረ ብሙሉኡ ክፍለሰራዊቱ ሓንቲ እያ ተሪፋቶ እምበር 12 ክፍለሰራዊታት ኣብ ቆቦን ዓዲ ኣገውን ብዓዲ ዓፋርን ኣቐሚጡ እዩ” ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 24 ጥቅምቲ ትግራይ ንምውራር ዝገበሮ ምድላዋት የረድእ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብናይቲ እዋን ኮምሽነር ፖሊስ ኣበረ ኣዳሙ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምትላሙን ሙሉእ ቅድመ ምድላው ጌሩ ናብቲ ኲናት ምእታውን ብቅሉዕ ተዛሪቡ እዩ። ኣበረ ኣዳሙ “ምድላውና ወዲእና እናተፀበና እናሃለና እዩ ንምሸቱ እቲ ኲናት ዝተጀመረ። ሓጋዚ ኮምሽነር ቢሰጥ ይበሃል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እዩ። …ገጢምና ኢና ኢሉኒ [ቅድሚኡ] ዝተዘራረብናዮም ብዙሓት ወተሃደራዊ ቋንቋታት ስለዝነበሩ በቲ ዝተዘራረብናዮ መሰረት ቀፅል ኢለዮ” ብምባል ብይፋ ገሊፁ እዩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰሜን እዝ እውን ብውሽጣ ውሽጢ “ብተንኮል ወዲቦም መን ንመን መሪሕነት ኣየናይ ኣካል ከይዱ ነቲ ፕረዚዳንት ናይ ትግራይና ዝሕዝ፣ ነቶም መሪሕነት ከምዝሕዝ ኩሉ ወዲኦም” ምንባሮም እውን ይሕብር።

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኢዱ ዝነበሮ መማረፂ ዘለዎ ዓቕሚታት ኣብ ሓፂር እዋን ወዲቡ ዓርሱ ምክልኻል ምዃኑ ዝተዛረበ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ “ከምህዝብን መንግስትን ነብስና ኢና ተኸላኺልና” ይብል።

ነባሪ ከተማ መቐለ ኣይተ ደምሳስ ገብረማርያም ብወገኑ “ኣገዳሲ ክፋል እቲ ቃልሲ በዛ ከምሎማዓንቲ 24 ጥቅምቲ ዝተኻየደት ኦፕሬሽን እዩ ተመቻችዩ” ክብል ገሊፁ። ኣብቲ እዋን ፀበባ ከምዚ ዓይነት ውሳነን ተግባርን እንተዘይንፍፅም እቲ ወሳኒ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን መሪሕነት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ምንባሩ ይዝክር።

“ሽዑ ንሱ እንተዘይካየድ ንሕና ነቶም ኣያታትና ንብሎም ምሰኣንናዮም ውሑዳት ስኢንናዮም ኢና መብዛሕትኦም ግን ምሰኣንናዮም ኔርና” ቃልሲ ተጋሩ መሪሕነት ክሳብ ዝፈጥር ነዊሕ እዋን ክወስድ ይነብር እዩ ኢሉ። ጥቅምቲ 24 ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝነበራ ወሳኒት መዓልቲ ምዃና ዝሓበረ ኣይተ ደምሳስ “ካሊእ ግዜ ቃልስና ሙሉእ ብሙሉእ ኣዐዊትና ናይ ናፅናትና መዓልቲ ከምትኸውን እውን እምነ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣይተ የማነ ተስፋይ ካብቶም ምስጢር ዓውታት ሰራዊት ትግራይ ምንባብ ወተሃደራዊ መሪሕነት ቅዱምን ሓዱሽን ወለዶ ምዃኑ ከምዝኣምን ይዛረብ። ኣይተ የማነ ወሲኹ “ክሳዕ እዚ ሀዚ እታ ከምዛ ሎማዓንቲ ዝተገበረት ዓርሰ-ምክልኻል ትግራይ ዝነበራ ወተሃደራዊ ፍልጠት ኣባዚሓ ናብዚ ናይ ሎሚ ዓወት ክትበፅሕ ኣኽኢሉዋ እዩ” ብምባል ይገልፅ። ትግራዋይ ሓሳቡ ብልቡ እዩ ዝበለ ኣይተ የማነ ነዚ ኦፕሬሽን ንምክያድ ዝነበረ “ምሽጥር ናይ ምዕቃብ ልምዲ ንቀፃሊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሞክሮ ዝህብ” ምዃኑ ይሕብር።

ብስራሕ ናብ መቐለ ዝመፀ ነባሪ ከተማ ዓዲግራት ነባር ተጋዳላይ ካሕሳይ ኣብርሃ ብወገኑ ወተሃደራዊ መሪሕነት ኲናት ምፍጣር ነዊሕ እዋን ከምዝወስድ ብምግላፅ “እቲ ዓርስና ናይ ምክልኻል ኦፕሬሽን ብኸይዲ ዝተሃነፀ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ትግራይ ዘላቒ ክኸውን” ምግባሩ ተዛሪቡ። የግዳስ እቲ ኦፕሬሽን ዓርሰ-ምክልኻል “ዘንጊዑ እዩ ንፀላኢ ክንድኡ ዕድል ምሃብ ኣድላዪ ኣይነበረን” ብምባል ገሊፁ።

መንእሰይ ኣታኽልቲ ተስፋይ መንነት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ መሪሕነት ምስኣን ቀዳማይ ስራሕ ፀላእቲ ምንባሩ ብምግላፅ እቲ 24 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን “ኣገዳሲን ታሪኻውን” ክብል ፀሪሑ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ፌደሬሽን ንዝኾነት ትግራይ ወረርቲ ዓዲሙ ዘካየዶ ጨፍጫፍ “ምስመን ኢና ንነብር ኔርና ዘብል እዩ” ኢሉ።

ኣይተ ሓዱሽ ወሲኹ በቲ ኣብ ጫፍ ገደል ዘሎ ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝግለፅ ‘ሰሜን እዝ ስለዝተወቐዐ ኲናት ጀሚረ’ ዝብል ሓቲት “ፈፂሙ ኣብ ባይታ ዘለየ ፅውፅዋይ” ብምባል ህዝቢ ትግራይ መንነቱን ናፅነቱን ንምሕላው ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ተኸታታሊ ዓወታት እናመዝገበ ኣብ ናይ መደምደምታ ምዕራፍ ምብፅሑ ከምዘሕብኖ ገሊፁ።