ትሽዓተ ፖለቲካውን ወታደራውን ሓይልታት ኢትዮጵያ ግንባር ከምዝፈጠሩ ዕላዊ ገይሮም።

ህወሓት ዝርከቦም ትሽዓተ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ‘’ግንባር ሕብረት ፌደራላያንን ኮንፌደራላዉያንን ሓይልታት’’ ብዝብል ዕላዊ ስምምዕ ሎሚ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ከምዝፈራረሙ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ፅምብል ስምምዕ ዕላዊ ገይሩ።

እቶም ኣካል እዚ ግንባር ሕብረት ፌደራላውያንን ኮንፌደራላውያንን ሓይልታት ዝኾኑ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፣ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ፣ ዲሞክራሲያዊ ወያነ ሓድነት ግንባር ዓፋር (ARDUF)፣ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው፣ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝብታት ቤንሻንጉል፣ ዲሞክርሲያዊ ፓርቲ ቅማንት፣ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ግንባር ናፅነት ሲዳማ፣ ሰራዊት ናፅነት ህዝብታት ጋምቤላን ብሄራዊ ናፅነት ግንባር ሶማሌን እዮም።

እዞም ሎሚ ሓቢሮም ብሓደ ግንባር ኮይኖም ክሰርሑ ዝሰማምዑ ዘለው ሓይልታት ዕላምኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት እዛ ሃገር ዘበፅሖ ዘሎ ጥፍኣት ጠጠው ንምባልን፣ ውሑስ ዝኾነ ስግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምስራትን ከምዝኾነ ሮይተርስ ነቶም ውድባት ፀሪሑ ጸብጺቡ።

እቲ ስምምዕ ሎሚ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን እናተኻየደ ኣብ ዘለሉ እዋን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝኾነ ጆፍሪ ፊልትማን ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዛተ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብቶም ሎሚ ዝስማምዕ ዝፍፅሙ ዘለዉ ትሽዓተ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሓይልታት እቶም ክልተ ማለት እውን ህወሓትን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ቅድም ኢሎም ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዕ ፈፂሞም ዝጸንሑ እዮም።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ንኣዲስ ኣበባ እናቐረቡ ኣብ ዘለዉሉ ኣብዚ ሕዚ ኣዋን ብዙሓት ሓይልታት ንቓልሲ እንትነቓቕሑ፣ ብኣንፃሩ ድማ ብዙሓት መንግስታትን ትካላት ዓለምን እቲ ኲናት ጠጠው ክብልን ፖለቲካዊ ምይይጥ ክካየድን ይጉስጉሱ ኣለዉ።