ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ደው ክብል መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፀዊዖም።

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ንመራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣኼባ ከምዝፀወዖም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ኣኼባ ዝቕፅል 7 ሕዳር 2014 ዓ/ም ከምዝካየድን ተወከልቲ ሃገራት ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ‘‘ደው ክብል ኣለዎ’’ ከምዝበለ ቢቢሲ ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ብምጥቃስ ሓቢሩ፡፡

ከምኡ እውን ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ኣካላት፡ ተኹሲ ደው አቢሎም ንዘላቒ ሰላም ክዘራረቡ ድማ ፕረዚዳንት ኬንያታ ፀዊዑ።

ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ነቲ ኲናት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ፣ ኲናት ደው ከብሉን ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑን ትካል ልምዓት በየነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ “ኢጋድ” ፀዊዑ፡፡

ከምኡ እውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ደው ንምባል ናብ ዘተ ዝወስድ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ከምዝገብር ኣብ ትዊተር ገፁ ኣረዲኡ ኣሎ፡፡

ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሓይልታት ኦሮሞን ናብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ እናተፀገዑ ድሕሪ ምምፅኦም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ኲናት ደው ንኽብል ኣብ ኩሎም ሓይልታት ፀቕጢ ይገብራ ከምዘለዋ ይፍለጥ።